ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መሓውራትን መቐሎ ስልጣንን መሰጋገሪ መንግስቲ ኣተኲሩ ኣብ ባህር ዳር ይካየድ ዘሎ ልዝብ ደቡብ ሱዳን ቀፂሉ’ሎ


ወሳኒ ኣብዝሃሉ ነጥብታት ኣተኲሩ ቐፂሉ’ሎ።መሓውራት መሰጋገሪ መንግስትን መቐሎ ስልጣን ቀንዲ ትኹረት እቲ ልዝብ ምዃኑ ናይ ተቓወምቲ ዋና ተደራዳሪ ታባይ ደንጋይ ገሊፆም ኣለው።

ንላዘብ ዘለና መራሕቲ ኢጋድ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘፅደቕዎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ሰነድ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው።ኢጋድ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ግን መንግስትን ተቓወምትን ነዚ ሰነድ እዚ ምቕባሎም ገሊፁ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ሰነድ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ንመሰጋገሪ መንግስቲ ንኽመርሑ ይፈቅድ።ተቓወምቲ ዘቕርብዎ ቀዳማይ ምንስቴር ድማ ክቕበሉ ወይ ዘይክቕበሉ ከምዝኽእሉ ይሕብር።

ዋና ተዳራደርቲ ተቓወምቲ ታባይ ደንጋይ ግን ነዚ ሰነድ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ ተዛሪቦም ኣለው።

‘’ንዓይ ዝመርሐኒ ብሳላቫ ኪርን ሪያክ ማቻርን 9 ግንቦት 2014 ኣ/ፈ ዝተፈረመ ሰነድ እዩ’’ ምስበሉ ብምቕፃል ‘’ብመራሕቲ ኢጋድ ዝፀደቐ ሰነድ ናተይ ኣይምልከተንን’’ኢሎም።

ተቓወምትን ኣብቲ ድርድር ዝሳተፉ ዘለው ካልኦት ወገናትን ዝተቐበልዎ ካሊእ ሰነድ ኣብ እዋን ስግግር ዝህሊ ፕሬዝዳንት መራሒ ሃገር እቲ ቀዳማይ ምንስቴር ድማ መራሒ መንግስቲ ንክኾኑ ዝሓትት ሰነድ እዩ ኢሎም እቶም ዋና ተደራዳሪ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ንናይታ ሃገር ዘይምርግጋእ ኣብ ዝፈትሕ ኩሉ ሓቆፍ መቐሎ ስልጣን ክሰማምዑ ኣጥቢቖም ኣተሓሳሲቦም።ክንዲ ዝኣክል ስቅያት ዝፈጠረ ቑስሊ ንስኹም ፈጢርኩምዎ፣ሕዚ ክተሕውይዎ ድማ ኣለኩም ኢሎምዎም ንፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ሪያክ ማቻርን።

ምኽንያት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ፖለቲካዊ ቕልስ እዩ ኢሎምዎ ባን ኪሙን።

ልዕሊ ሲሶ እታ ሃገር ዝኸውን ማለት እውን ኣስታት 4 ሚሊዮን ሰባት ብዘተሓሳስብ ሕፅረት ምግቢ ይሳቐዩ ኣለው።ህፁፅ ስጉምቲ እንተድኣ ዘይወሲድና ቅድሚ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ፈረንጂ ኣቆፃፅራ ምዝዛሙ ኣስታት 50 ሽሕ ህፃውንቲ ክሞቱ ይኽእሉ እዮም እዮም ባን ኪሙን።

ሕቡራት መንግስታት ካብ ህውከት ንዝሃደሙ 100 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ጆንግለይ፣ኣፐር ናይልን ዩኒቲ ክፍለግ ዝኣትን ከምኡ እውን ኣብ ዋና ከተማ ጁባን ኣብ ዝርከቡ ማእኸላቱ የዕቁብ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG