ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዓይ ዘይሓቖፈ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣይቅበልን ኢሎም ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን


ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ንዕኦም መራሒ ዘይገብር ናይ ስግግር መንግስቲ ኣይቅበልን ኢሎም።ፓርልማ ከምዘይፈርስ እውን መረጋገፂ የደልየኒ እዩ ክብሉ ሎማዕንቲ ሓሙስ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብዘስምዕዎ መደረ ገሊፆም።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ብድፊኢት ዩናይትድ ስቴትስን ካልኦት ምዕራባዊያን መሻርኽትን ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ተሰማሚዖም እዮም።ናይ ዝጣየሽ መሰጋገሪ መንግስቲ መራሒ እንድሕ ዘይኮይነ ኣይቅበሎን፤ፓርላ ክብተን እውን ኣፈቅድን ኢሎም።

ንዓይ ዘይሓቖፈ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምጥያሽ እዮም ደልዮም፤ ከም መጠን ዝተመርፀ ፕሬዝዳንት ኣይቅበሎን ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ንሶም ዝመረፅዎ ፕሬዝዳንት እዮም መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ክኸውን ደልዮም ዘለው።እዚ ቀይሕ መስመር እዩ’’ኢሎም።

ተሪር መደረ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ብደርፍን ጣቕዒትን ኣባላት ፓርላማ ዝተዓጀበ ነይሩ።
ብህዝቢ ዝተመረፀ ፓርላማ ክብተን ምፍቃድ ንገዛኢ ፓርቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን /ንSPLM /ከም ምፍራስ ማለት እዩ እውን ኢሎም።

SPLM ተዳኺሙ ኽስዓር እዩ ድልየቶም ንሃገራዊ ፓርላማ ምብታን ምጥሓስ ቀይሕ መስመር እዩ፤ከም መጠን ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ብሕገ መንግስቲ ዝተመረፀ ፓርላማ ክብተን ብዝኾነ ይኹን ኣይፈቅድን እየ ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ማሕቡብ ማዓሊም ኪርን ሪክ ማቻርን ነቲ ቅልውላው ብኵናት ክንፈትሖ ኢና ኢሎም ዝሃስቡ እንተኾይኖም ዕሽነት እዩ ክብሉ ብዛዕባ ዝህባዎ ሪኢቶ እውን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ነፈለማ ግዜ ብግልፂ ተዛሪቦምሉ ኣለው።

ዓሻ ተባሂሎም ክግለፁ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።ካብ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ መልሲ ምስረኸቡ ልኡኻት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ናብቲ ልዝብ ሰላም ክምለሱ እዮም እውን ኢሎም ሳላቫ ኪር።ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኣብ ልዕሊ ምሕቡብ ማዓሊም ስጉምቲ ንኽወስዱ ብምሕታት ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ትማሊ ደብዳቤ ፅሒፎምሎም ኣለው።

ዘቛረፅናይ ልዝብ ሰላም ንምቕፃል መምርሒ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር እናተፀበና ኢና ክብሉ ምንስቴር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ካብ ኣዲስ ኣበባ መግለፂ ሂቦም ኣለው።መራሕቲ ሃይማኖት ደቡብ ሱዳን ግን ተነሓናሕቲ ወገናት ሰበብ ካብ ምድርዳር ተኣዲቦም ናብቲ ልዝብ ሰላም ክምለሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይፀረፉን ነቲ ልዝብ ንምቁራፅ እውን ብቑዕ ምኽንያት ኣይኮነን ክብሉ ኣብቲ ልዝብ ንምስትፋ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣቦ መንበር መራሕቲ ሃይማኖት ደቡብ ሱዳን ጳጳስ ኤኖክ ቶምበስቲፈን ተዛሪቦም።

ብኻሊእ ዜና ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ብበዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ከምዘለው ተገሊፁ።ኣብ እዋን ዝናብ በዚ መጠን ምውሓዞም ዓለምለኸ ትካል ስዱዳት ስግኣቱ ገሊፁ’ሎ።
ኣስታት 1,500 ደቡብ ሱዳናዊያን ስድተኛታት ነቲ ግጭት ብምህዳም በብማዕልቱ ናብ ኢትዮጵያ ይኣትው ኣለው።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስዱዳት ኣቶ ኣለማዮሁ ሰይፈስላሴ እዋን ዝናብ ይምፅእ ምህላው ንመጉዓዚያን ንመንግዲን ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም።በብማዕልቱ ብዙሓት ስዱዳት ይኣትው ስለዘለው ንዕኦም ንምግዓዝ ልዕሊ 40 ኣውቶቡሳት መዲቦም ይሰርሑ ከምዘለው ሓቢሮም።

ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው።ዓሰርተታት ኣሽሓት እውን ናብ ኬንያ፣ኡጋንዳን ኢትዮጵያ ሃዲሞም እዮም።ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 147 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ይርከቡ።

በዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ደቡብ ሱዳናዊያን ስዱዳት ናብ 350 ሽሕ ክብ ክብል እውን ትፅቢት ይግበር።
XS
SM
MD
LG