ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን በዝሒ ክፍለ ግዝኣታታ ክትውስኽ እያ


ብኲናት ዝተሃሰየት ደቡብ ሱዳን ተወሰኽቲ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ክፍለ ግዝኣታት ንምፍጣር ኮሚቴ ምጥያሻ ወሃቢ ቃል ፕሬዝታት እታ ሃገር ገሊፆም።ኣብዚ ሕዚ እዋን እታ ሃገር 28 ክፍለ ግዝኣታት ኣለዋ።

ኣተኒ ወክ ኣተኒ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ብቀዳማይ ምኽትል ፕሬዝዳንት ታባን ደንግ ጋይ ዝምራሕ ነቲ ኩነታት ዝርኢ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተጣይሹ’ሎ ኢሎም።
ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ከይኮኑስ ካልኦት ሰባት ሓደሽቲ ክፍለ ግዝኣታት ክምስረታ ይሓቱ ኣለው ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ገለ ከባቢታት ይሓቱ ስለዘለው እዩ ኢሎም ወሃቢ ቃል ኣተኒ።

‘’ኣብ ደቡብ ሱዳን 28 ክፍለ ግዝኣታት ክጣየሻ ከለዋ ታሕጓስ ፈጢሩ እዩ፤ልዕሊ 80 ሚእታዊ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ናብ 28 ክፍለ ግዝኣታት ምዕባያ ናእድኦም ገሊፆም እዮም’’ ክብሉ ኣተኒ ገሊፆም።

ብዙሓት ሰባት ግን ምስ ናይ ኣተኒ ገምጋም ኣይሰማምዑን።ሳልቫ ኪር ብውልቆም በዝሒ ክፍለ ግዝኣታት ካብ 10 ናብ 28 ከዕብዩወን ከለው 21 ክፍለ ግዝኣታት ክኾና ድልየት ንዝነበሮም መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻር ሓዊሱ ንብዙሓት ሰባት ኣኾሪዮም እዮም ይብሉ።

ናይ ቀደም ምኽትል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ ክሪኖ ሂተንግ በዝሒ ክፍለ ግዝኣታት ብምውሳኽ ናይታ ሃገር ሽግራት ኣይፍትሑን ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:18 0:00

XS
SM
MD
LG