ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩሎም ተቀናቐንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ተኹሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም


መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ቀንዲ ተቃዋሚ ዕጡቕ ጉጅለን ትማሊ ሓሙስ ኣብ አዲስ አበባ ተኹሲ ደው ንምባል ምስምማዖም ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኤኤፍፒ እቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ካብ ታሕሳስ 24,2017 ደው ከምዝብል ተገሊጹ'ሎ።

ደቡብ ሱዳን: ተቀናቐንቲ ወገናት ተኹሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:48 0:00


እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ኣብ ዘለውዎ ቦታታት ክጸንሑን ካብ ዝኾነ ግጭት ምልዕዓል ክቑጠቡን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ብኩሎም ወገናት ተጨውዮም ዘለው ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክልቀቑ ይብል።


እቲ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ዘተባብዕ ምዃኑን ግን ኸአ ንዝያዳ ውጽኢት ተግባር ከምዘድልይ አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብቲ ስምምዕ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG