ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ዳግም ዅናት ክልዓል’ዩ ዝብል ስግኣት እናሓየለ እዩ


ካብ ናይ ነዳዲ ምስሕሓብ ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ዶበን ኣብ ምሕንፃፅ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክበፅሓ ኣይክኣላን።

ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ብምኽንያት ነዳዲ ብዝተልዓለ ምስሕሓብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሓዱሽ ዅናት ክልዓል እዩ ኢሎም እናጠንቀቑ ይርከቡ።

ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር ብሃገራዊ ቴሌቭዥን ኣብዘስምዕዎ መደረ ሃገሮም ምስ ደቡብ ሱዳን ካብ ናብ ሰላም ናብ ዅናት ከምዝተፀግዐት ገሊፆም ነይሮም።

ናቶም ሪኢቶ ተኸቲሉ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሱዳን ናይ ደቡብ ሱዳን ድልየት ዘይተማልእ እንተኾይና ግጭት ክልዓል ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለው።

ደቡብ ሱዳን ነዳዲ ዝምረተሎም ጎዳጉዳ ምዕፃው ዝጀመረት ሰሜን ሱዳን 815 ሚሊዮን ዶላር ዘውፅእ ናይ ደቡብ ነዳዲ ሰሪቓ ክትብል ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ።ካርቱም ብወገና ደቡብ ነዳዲ ናይ መተሓላለፊ ኽፍሊት ስለዘይኸፈልት እየ ነቲ ነዳዲ መንዚዐዮ ትብል።

እቲ ምስሕሓብ ናብ ዅናት ዘምርሕ እንተኾይኑ ምኽትል ምንስቴር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ማጃክ ዲ ኣጉት ተሓቲቶም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሱዳን ድሮ እቲ ፈላማይ መጥቓዕቲ ጀሚራ እያ ይብሉ።

ካብ ናይ ነዳዲ ምስሕሓብ ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ዶበን ኣብ ምሕንፃፅ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክበፅሓ ኣይክኣላን።

XS
SM
MD
LG