ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሓድሽ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሸይሞም


ፕረዚደንት ደቡብ ሳልቫ ኪር ን ጀነራል ታባን ዴንግ ጋይ ሓድሽ ቀድማይ ምክትል ፕረዚደንት ክኾኑ ሸይሞሞም።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ነዚ ሽመት ሎሚ ዘጽደቑ ኣቐዲሞም ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበሩን ቀንዲ ተቐናቓኒኦምን ሪክ ማቻር ድሕሪቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ሓድሕድ ግጭት ምስዋሮም እዩ።

ሓድሽ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ጀነራል ታባን ዴንግ ጋይ ን ሪክ ማቻር ብምውካል ቀንዲ ተዛታይ ሰላም ኮይኖም ምስርሖም ተጠቒሱ። ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ቕን ያት ድሕሪ ምስዋር ሪክ ማቻር ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ሓይሊ ብምዃን መዝነት ሒዞም ኣለው።

ምክትል ፕረዚደንት ታባን ዴንግ ጋይ ሎሚ ኣብ ስነ ስርዓት ሓድሽ ናይ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሽመቶም ኣብ ዝ ሃብዎ ቃል ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ጉዳያት ማለት ኣብ ምቊራጽ ኲናት ምምላስ ዝተመዛበሉ ስደተኛታት እታ ሃገርን ምሕባር ሰራዊት ክልቲኦም ሓይልታትን ኣቶኪሮም ክሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጦም።

ንሶም ምስ ቪኦኤ ኣገልግሎት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ዝምስርትዎ ሓባራዊ መንግስቲ ንኹሉ ዝውክል መንግስቲ ከምዝኸውን ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG