ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሎማዕንቲ ክጅመር ዝተብሃለ ዝርርብ ደቡብ ሱዳናዊያን ንፅባሕ ተመሓላሊፉ


Families displaced by fighting in South Sudan camp in a warehouse inside the United Nations Mission in Sudan facility in Jabel, on the outskirts of Juba, Dec. 23, 2013.
Families displaced by fighting in South Sudan camp in a warehouse inside the United Nations Mission in Sudan facility in Jabel, on the outskirts of Juba, Dec. 23, 2013.
ኣብ መንጎ ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ሎሚ ምሽተ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተባሂሉ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ከምዘይተጀመረ ተፈሊጡ።ኩሎም ልኡዃት ተጠቓሊሎም ዝኣተው ሎም ምሸት ብምዃኖም እቲ ዝርርብ ፅባሕ ክጅምር እዩ ኢሎም ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ።

ናይ ቻይና ናይ ኣፍሪካ ጉጅለ ልኡኽ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምንስቴር ወፃኢ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምርኻቦምን ንናይ ኢጋድ መርገፂ ንምሕጋዝ ድልየት ምርኣዮምን ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ካብዘለዎም ከባቢታት ንኢትዮጵያዊያን ናይ ምውፃእ ስራሕ ብናይ ስቪልን ነፈርቲ ሓይሊ ኣየርን ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያዊያን ከምዝወፁን ብክልል ጋምቤላ ኣቢሎም ድማ ይኣትው ከምዘለውን ብምሕባር ዝተፀገሙ ሰባት ክሳብ ዝወፁ እቲ ፃዕሪ ከምዝቕፅል መሳርሕትና ሄኖክ ሰማእግዝሄር ዘዘራረቦም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቢሮም።

ብዝተኣሳሰረ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ሓላፍነት ክወስዱ ዘለዎም ፕሬዝዳንት ኪር እዮም፤ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም እውን ሰላም ክርጋገፅ ኣይኽእልን ኢሎም ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ሬይክ ማቻር ትማሊ ረቡዕ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል።

ከምዚ ብምባል ‘’ነታ ሃገር በታኖምዋ ኣለው።ኣብ ጁባ ሂልቂት፣ናይ ነገዳት ምፅናፍ ይካየድ እዩ ዘሎ።ሳልቫ ኪር ድሕሪ ድጊም ሓድነት ህዝቢ ክፈጥሩ እዮም ዝብል እምነት የብለይን።’’
ፕሬዝዳንት ሳል ቫኪር ብድልየት ካብ ስልጣኖም ዘይወርዱ እንተኾይኖም ብሓይሊ ንምውራድ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምሳይ ሕበሩ ክብሉ ፀዊዖም ማቻር።

ብኻሊእ ናይ ደቡብ ሱዳን ዜና ይካየድ ብዘሎ ኵናት ልዕሊ 200 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ምምዝባሎ ሕቡራት መንግስታት ይግምት።ካልኦት 10 ሽሽ ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ተፈናቒሎም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ዳንኤል ማክ-ኣይዛክ UNHCR እንትወሓደ ኣብ ሸውዓተ ክፍለ ግዝኣታት እታ ሃገር ውግእ ይካይድ ዋላ እንተሃለወ እውን ናብቶም ዝተፀገሙ ንምብፃሕ እናፈተነ እዩ ኢሎም።

መብዛሕቲኦም ኣብ ጁባ፣ቦር፣ፒቦር፣ማላካልን ቤንቱን ኣብ ዝርከቡ ቐፅሪ ሕቡራት መንግስታት ተዓቒቦም ይርከቡ።እቲ ትካል ኣብቶም ማእኸላት ንዝርከቡ እናሓገዘ እዩ ኢሎም ማክ-ኣይዛክ።ኣስዒቦም ‘’ናብ 75 ሽሕ ዝግመቱ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ማእኸላት ተዓቒቦም ይርከቡ።ነዚኦም ንምሕላውን ንምፅላልን ዓብዪ ሓላፍነት እዩ’’ኢሎም።

ካብ ደቡብ ሱዳን ይሃድሙ ዘለው ብዝተፈላለዩ ትካላትን መንግስታዊ ምንስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራት ይሕገዙ ኣለው እውን ኢሎም ብምውሳኽ።

መንግስታት ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ኡጋንዳ ዋላ እውን ሱዳን ምስ ዘይመንግስታዊ ትካላት መሻርኽትና ፅቡቕ ምትሕብባር ይገብሩ እዮም ዘለው ኢሎም።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነት በብዕለቱ ይለዋወጥ ስለዘሎ ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና ኢሎም ወሃቢ ቃል UNHCR ማክ-ኣይዛክ።
XS
SM
MD
LG