ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩጋንዳ ሰራዊት ናብ ጁባ ልኢኻ


ሰራዊት ዩጋንዳ - ፋይል
ሰራዊት ዩጋንዳ - ፋይል

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ምኽትሉን ሓድሽ ወጥሪ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ጸጥታ ርእሰ-ከተማ ጁባ ንምውሓስ ዩጋንዳ ሰራዊታ ልኢኻ። ዩጋንዳ ነቶም ሰራዊት ብጠለብ ደቡብ ሱዳን ከም ዝለኣኸቶም ትገልጽ። ሚኒስተር ዜና ደቡብ ሱዳን ግን ንምውፋር ሰራዊት ዩጋንዳ ነጺጉዎ ኣሎ።

ንምውፋር ሰራዊቱ ናብ ጁባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘካፈለ ኣዛዚ ሰራዊት ዩጋንዳ ሙሁዚ ካይነራጉባ፡ ንሓደ መራሒን ንሱ ድማ ሳልቫ ኪርን ጥራይ ከም ዝኣምኑ ብምጥቃስ፡ “ዝዀነ ኣንጻሩ ዝተላዕለ ድማ ኲናት ኣንጻር ዩጋንዳ ከም ዝኸፈተ ኢና እንርእዮ፡” ኢሉ።

ብዝሒ ዩጋንዳ ናብ ጁባ ልኢኻቶም ዘላ ሰራዊት ግን ኣይተነጸረን።

ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ሬክ ማሻር ሰራዊት ዩጋንዳ ነቲ ወጥሪ ከየጋደዱ ዘለዎ ስክፋታ ንሮይተርስ ኣካፊሉ።

ኣብ 2013 ኣብ ደቡብ ሱዳን ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውላዑ፡ ዩጋንዳ ኣብ ጁባ ሰራዊት ልኢኻ ምንባራ ይዝከር። ድሒሮም ግን ኣብ 2015 ወጺኦም። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ 2016 ንሓጺር እዋን ዩጋንዳ ሰራዊት ንጁባ ልኢኻ ነይራ’ያ። ቀንዲ ስግኣት ጎረቤት ሃገር ዩጋንዳ፡ ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ምሉእ ብምሉእ እንተ ልሒሙ፡ ካብታ ሃገር ብዝመጽኡ ስደተኛታት ከይትጉባእ ሻቕሎት ስለ ዘለዋ’ዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG