ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መናእሰይ ደቡብ ሱዳን ንኽዋግኡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ይምለሱ ኣለው


South Sudan rebel fighting map Indonesian copy
South Sudan rebel fighting map Indonesian copy
ብምኽንያት ግጭት ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ መናእሰይ ደቡብ ሱዳናዊያን ኣንፃር መንግስቲ ንምውጋእ ካብ ኢትዮጵያ ይምለሱ ኣለው።ዛጊድ ኣማእቲ ተመሊሶም፣ካልኦት እውን ሻንጥኦም ይጥርንፉ ኣለው።

ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 40 ዓመት ዝኾኖም ሓደ ምእቲ ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናዊያን ኣብቲ ዝሓልፈ ሰሙን ካብ ኣዲስ ኣበባ ተላዒሎም ኣለው።ካልኦት 300 ዝኾኑ ድማ ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ክምለሱ ትፅቢት ይግበር።

ወዲ 31 ዓመት ጋዴት ካብ ዓሌት ኑዌር ስለዝኾነ ንህይወቱ ብምስጋእ ኣብ ከተማ ጁባ ይሰርሐሉ ካብ ዝነበረ ወኪልነት መሸጣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ከምዝሃደመ ብምግላፅ ተመሊሰ ምስ ተቓወምቲ ተሰሊፈ ንሃገረይ ክቃለስ እየ ይብል።

‘’ኣብዛ ስዓት እዚኣ ሃገር ኣልቦ ኮይነ ኣለኹ’’ ዝበለ ንሱ SPLM ውሽጣዊ ምምዕራይ ክገብሩ እቶም ፕሬዝዳንት ፍቓደኛ ስለዘይኮኑ ኣብ ጎኒ እቶም ተቓወምቲ ተሰልፊና ክንዋጋእ ናይ ግድን እዩ ይብል።
ካብ 500 ንላዕሊ ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ንምውጋእ ድልየት ኣርእዮም ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:52 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG