ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፅምብል ሳልሳይ ዓመት ናፅነት ደቡብ ሱዳን


S. Sudan
S. Sudan

ደቡብ ሱዳን መራሕቲ ንውዕል ምቁራፅ ተኹሲ ከኽብሩን ልዝብ ሰላም ክቅፅልሉን መፀዋዕታ ኣብ ዝቀርበሉ ጊዜ፣ንሳልሳይ ዓመት መዓልቲ ናፅነት ሎሚ ኣኽቢራ።

ኣብ ጁባ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ደባይ ተዋጋእቲ ዕጥቆም ኣውሪዶም ናብ ከተማ ንክኣትው ፀዊዖም።መናሕንሕቶምን ምክትሎም ዝነበሩን ሪክ መቻር፣ነቲ ቀፂሉ ዘሎ ግጭት ብልዝብ ንክፍታሕ‘ውን ሓገዝ ንከበርክቱ ፀዊዖም።

ሰላም ሃገር ውሑስ፣ትካላት መንግስቲ ዘተኣማምን ሰላም ክሳብ ዘይረኸቡ፣ ሓይልታት ኡጋንዳ ካብ ደቡብ ሱዳን ንክወፁ ከምዘይሓቱ‘ውን ኣፍሊጦም።

ሪክ መቻር ግና ሰራዊት ኡጋንዳ ካብ ደቡብ ሱዳን ንክወፁ ካብ ዝሓቱ ኣዋርሕ ተቆፂሩ‘ሎ።

ንክይር ዝጠቀሰ ትካል ዜና ፈረንሳ፣ንልዝብ ቅሩብ‘የ፣ደቡብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ሪክ መቻር ግና ዘበን ምልኪ፣ህውከት፣ብልሽውናን ዓሌታውነትን‘ያ ተሕልፍ ዘላ ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ኣብ ዝላኣኽዎ ፅሑፍ፣ክልቲኦም መራሕቲ ንውዕል ሰላም ክምእዘዙ ፀዊዑ‘ሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን ብወገኖም፣ተዋጋእቲ ወገናት ተኹሲ ክሳብ ዘየዕረፉን ናብ ልዝብ ዘይተመልሱን፣ኣማኢት ኣሻሓት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ጥሜት ከጥቀዖም‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG