ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ደቡብ ሱዳን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምጥያሽ ምስምምዖም ተገሊፁ


ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ምኽትሎም ዝነበሩ ሎሚ ድማ መራሒ ተቓዋሚ ሪክ ማቻርን ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ሓድነት መሰጋገሪ መንግስቲ ንምጥያሽ ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን ሪያክ ማቻርን እቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ካብዝልዓለ ንኻልኣይ ግዜ ተራኺቦም ኣለው።ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ብኽልቲኦም ወገናት ብተደጋጋሚ ዝተጥሓሰ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ዳግማይ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተፈራሪሞ።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ክልቲኦም ወገናት ፀገም ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ተሰማሚዖም ኣለው ኢሎም።

‘’ንምንታይ፣ከመይ፣መዓስን መንን ዝብሉ ዝሓቖፈ ናይ ሓባር ናይ ስግግር መንግስቲ ኣብቶም ዝቕፅሉ 60 ማዕልታት ንምዝዛም ተሰማሚዖም ኣለው’’ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም።
ናይ ኡጋንዳ ፕሬዝዳንት ዩወሪ ሙሶቮኒን ናይ ኬንያ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዊልያም ሩቶን ሓዊሱ መራሕቲ እቲ ዞባ ኣብቲ ናይ ትማሊ ሰሉስ ዝርርብ ተሳቲፎም ኣለው።ኣብቶም ዝቕፅሉ ሒደት ማዕልታት ኣብ ዝርዝር ትልሚ ሰላም ዘተኮረ ዝርርብ ኣብ ኢትዮጵያ ክቕፅል እዩ።

ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታን ኮሚሽነር እስማዒል ቸርጉይ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝርርብ ብዕቱብ ክሕዝዎ ፀዊዖም ኣለው።

ተዋጋእቲ ወገናት ንፃውዒት ህዝቦምን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ፂን ኢሎም ክሰምዑ ተስፋን ትፅቢትን ሕብረት ኣፍሪካ እዩ ምስ በሉ ‘’ዝቕፅል ፖለቲካዊ ልዝብ ናይ ገዛእ መርገፂኦም ንምስጓምን ውፅኢት እቲ ዝርርብ ንምድንጓይን ክጥቀምሉ የብሎምን’’ኢሎም።

ግጭት ደቡብ ሱዳን ናብ ሰብኣዊ ቅልውላ ዓብዩ ንልዕሊ 1.3 ሚሊዮን ሰባት ኣመዛቢሉ።ሕፅረት ምግቢ እውን ኣንፀላልዩ’ሎ።እቲ ህውከት ኣብ መንጎ ፕሬዝዳንት ኪርን ማቻርን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቕልስ እዩ ተላዒሉ።
XS
SM
MD
LG