ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንኻሊእ ግዜ ተናዊሑ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝቐነየ ሳልሳይ ዙር ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ንኻሊእ ግዜ ተናዊሑ።ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ወገናት ንካሊእ ዙር ኲናት ይዳለው ኣለው ዝብሉ ሪፖርትታት ይወፁ ኣለው ኢሎም ዋና ሸምጋሊ ኢጋድ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን።

ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ኣብ ዝተጀመረ ልዝብ ብምኽንያታት ብዓል ልደትን ሓድሽ ዕመትን ፈረንጂ ንነዊሕ ግዜ ከምዘይቕፅል ተገሊፁ ነይሩ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ መበል ራብዓይ ማዕልቱ ንዘይተወሰነ እዋን ትማሊ ሰንበት ተቋሪፁሎ።እቲ ኣጋጣሚ ነቲ ከይዲ ልዝብ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣምባሳደ ስዩም መስፍን ተላዘብቲ እኹል ውፅኢት ስለዘምፅኡ ከይኮነስ ሓድሽ ውፅኢት ንምምፃእ ደው ኢልና ንምሕሳብ፣ስትራተጂ ንምውፃእን ንምትላም እቲ ድርድር ኣናዊሕናዮ ኣለና ኢሎም።

ክልቲኦም ወገናት ናብ ኲናት ንምምላስ እናተዳለው ምዃኖም ዝወፁ ፀብፃባት ዝሓበሩ ኣቶ ስዩም መስፍን እዚ ዝበፅሑዎ ስምምዕ ዝጥዕስ እዩ ኢሎም። ‘’ነዚ ቅልውላው ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንምርካብ ዘይምኻኣልና ጥራሕ ኣይኮነን’’ ምስ በሉ ኣስዒብ ኣቢሎም ‘’ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ንረኽቦ ዘለና ሓበሬታ ሓቂ እንተኾይኑ ክልቲኦም ወገናት ንኻሊእ ዙር ኲናት እናተዳለው እዮም’’ኢሎም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንትን መራሒ ተቓዋሚን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ኢጋድ፣ህዝቦምን ማሕበረሰብ ዓለምን ንናይ ባዕሎም ህዝብን ነቲ ኲናት ጠጠው ከምዘብልዎ ድሕሪ ምግላፆም ምዃኑ ኣምባሳደር ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG