ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ናብ ሙሉእ ውግእ ክኣትዋ'የን ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ


ከተማ ሄግሊጅ መንቀሊ እቲ ውግእ ክትከውን ትኽእል'ያ

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ንስትራተጂካዊት ነዳዲ ዘይቲ ዘለዋ ከተማ ሄግሊጅ ምሓዞም ዘይሕጋዊ‘ዩ ኢሎም ሓይልታት ክልቲኤን ሃገራት ንክስሕቡ ፀዊዖም‘ዮም።ኣብ‘ታ ከተማ ሓይላ ተጠናኽር ዘላ ደቡብ ሱዳን ግና፣ሄግሊጅ ትግባኣና‘ያ ትብል።

ደቡብ ሱዳን ኣብ ሄግሊጅን ከባቢኣን ሰራዊታ ተጠናኽር‘ላ።እዚ ስጉምቲ‘ዚ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ውግዘት፣ካብ ሱዳን ድማ ምፍዳይ ሕነ ከስዕበላ ይኽእል‘ዩ ዝብል ፍርሂ ኣስዒቡ‘ሎ።

እዚ ግጭት‘ዚ፣ደቡባዊያን ናፅነቶም ካብ ዝእውጁ ንዳሓር ዝተፈጥረን ናብ ሙሉእ ኲናት ከምርሕ ዝኽእልን‘ዩ ዝብል ገምጋም ኣሎ።

ምክትል ምንስትር ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ማያክ ኣጎት፣ክልቲኤን ሃገራት ሰራዊተን ናብ‘ቲ ግንባር ይልእኻ‘ለዋ ኢሎም።

”ክልቲኦም ወገናት፣ናብ‘ቲ ዓውዲ ግንባር ተወሳኺ ሰራዊት የዋፍሩ ኣለው። ከምኡውን ሓይልታቶም ኣብ ምጥንኻር‘ዮም ዝርከቡ።ካርቱም ሰራዊታ ትውድብ ከምዘላ ፈሊጥና‘ለና።ንሕና‘ውን ንዝሓዝናዮም ዕርድታት ነጠናኽር ኣለና።ድሕሪ ንሄግሊግ ምቁፅፃርና፣ኩነታት ህዱእ‘ዩ ዘሎ” ኢሎም ኣጎት።

ኣብ ሄግሊጅ ዘሎ ፀጋታት ነዳዲ ዘይቲ፣ፍርቂ ፍርያት ነዳዲ ዘይቲ ሱዳን‘ዩ። ደቡ ሱዳን ካብ ትንፀልን ንሰለስተ ሲሶ ፀጋታት ነዳዲ ሒዛ ትፍለን ግና፣ መጠን ነዳዲ ሱዳን ኣንቆልቊሉ‘ዩ።

ሚስተር ኣጎት፣ሄግሊጅ ኩሉ-ጊዜ ኣብ ውሽጢ ቁፅፅር ደቡብ ሱዳን‘ያ።ሱዳን ግና ከምሰበብ‘ያ ትጥቀመሉ ዘላ ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሱዳን ደቡብ ሱዳንን ነቲ ቅድሚ ዓመታት ዘብቀዐ ኲናት ንክደግሶ ሓዊ ይእጉዳ‘ለዋ ኢሎም ኣውጊዞም‘ለው ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መን ሕብረት ኣፍሪቃን።

ኮምሽነር ኮምሽን ቤት ምኽሪ ፀጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ ላማትነ ላማምራ፣ደቡባዊያን ናብ ሄግሊግ ዝገበርዎ ምረሻ፣ሱዳን ትፍፅሞ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ፣ንህውከት ከምዘሐየሎ ገሊፆም።

”ናብ‘ቲ ቅድሚ ሎሚ ዝራኣናዮ ፀገም ተመሊስካ ምእታው ዝካኣል ኣይኮነን።ስለሊ ፕረዚደንታት ኦማር ባሽርን ሳልቫ ኬይርን፣መሪሕነታዊ ብቅዓቶም ዘምስክሩሉ ጊዜ በፂሕና‘ለና።ህዝቢታት ክልቲኤን ሃገራት፣ ናብ‘ቲ ኣዕናዊ ኲናት ተመሊሶም ክሪኡ ኣይደልዩን” ይብሉ ላማምራ።

ኲናት ዶብ ሓሙስ ምስ ተወለዐ ንፓርላማ ደቡብ ሱዳን መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬይር፣ሄግሊግ ግዝኣት ደቡብ ስለዝኾነት ሰራዊት ንክስሕብ ኣይእዝዝን ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።

ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ግና ንመርገፂ ደቡብ ሱዳን ኣውጊዙዎ‘ዮ።ሚስተር ለማምራ ”ዘይሕጋዊን ዝንፀግን ጎበጣ ሄግሊግ ብሓይልታት ደቡብ ሱዳን” ክብሉ ገሊፆምዎ።ሓይልታት ደቡብ ብዘይቅድመ ኩነታትን ብህፁፅን ካብ‘ታ ከተማ ንክወፁ‘ውን ሓቲቱ‘ሎ ሕብረት ኣፍሪቃ።

15 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ ብወገኑ ኣብ ዘሕለፎ ተሪር መግለፂ ውግዘት፣ብክልቲኤን ሱዳን ብዝተፈጥረ ውጥረት ኣዝዩ ከምተሻቀለ ኣፍሊጡ።

ኣብ‘ዚ እዋን ፕረዚደንት ናይ ዝኾነት ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዝኾና ሱዘን ራይስ፣ንውሳነ‘ቲ ቤት ምኽሪ ብከምዚ ስዕብ ገለፀኦ፥

ሱዘን ራይስ ”ኩሎም ተፃብኦታት፣ብህፁፅን ብዘይቅድመ-ኩነታትን ደው ንክብሉ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ይፅውዕ።ሓይልታት ደቡብ ካብ ሄግሊክ ንክስሕቡ፣ሱዳን ንደብዳብ ነፈርቲ ክተቋርፅ፣ዶብ ሰገር ግጭት ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ንከብቅዕ፣ብክልቲኦም ወገናት ዝግበር ኢድ ኣዙር ኲናት ከብቅዕ ኣለዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኹ፣ሓይልታት ክልቲኤን ሃገራት ብመሰረት ውዕል 2011 ዓሰርተ ኪ/ሜትር ካብ ሓባራዊ ዶብ ንከርሕቁ፣ከምኡውን ካብ ዞባ ኣበዬይ ሙሉእ ንሙሉእ ንክወፁ ፀዊዑ‘ሎ።ክልቲኤን ሱዳን፣ናፃ ዞባ ፀጥታ ብቅልጡፍ ንክምስርታን፣ፀጥታ‘ቲ ዞባ ዘረጋግፅ ኣካል ንከቁማን መፀዋዕታ ኣቅሪቡ‘ሎ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መ።

XS
SM
MD
LG