ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ወፃኢ ተመለስቲ ደቡብ ሱዳናውያን ዘጓነፎም ብድሆ


ተመለስቲ ካብ ስደት
ተመለስቲ ካብ ስደት

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ነፃነታ ኣብ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ብሕልፊ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ኣዋርሕ ንተመለስቲ ስደት ኣሻቂልዎም‘ሎ።

ገለ ወሃብቲ ሪኢቶ ነታ ብከቢድ መስዋእትነት ዝረኸብናያ ሃገር ናበይ ኢና ንወስዳ ዘለና? ኢሎም ይሓቱ።

ከምሳዕቤኑ ድማ ሚልዮናት ካብ ስደት ንሃገርና ክንሃንፅ ኢሎም ዝተመለሱ ዜጋታት‘ታ ሃገር እቲ ውሳነኦም ቅኑዕ ንምንባሩን ካብ‘ዚ‘ከ ናበይ ኢሎም ይሓቱን ጀሚሮም‘ለው።

ኣብ ሞንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን መናሕንሕቶም ሪክ መቻርን ብጠንቂ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን ህውከትን ደቡብ ሱዳን ብዘይምቁራፅ ኲናት፣ ምፍንቃልን ስደትን ተተኣናግድ‘ላ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንውዕል ሰላም ፈሪሞም ግን ክትግብርዎ ኣይካኣሉን።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG