ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምኽትል ፕረሲደንትነት ስልጣን ንሪክ መቻር ኣየርክብን ኢሎም ም/ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን


James Wani Igga
James Wani Igga
ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ጀምስ ዋኒ ኢጋ፣ስለመቀሎ ስልጣን ምስ ተቃወምቲ ኢሎም ስልጣኖም ንዶ/ር ሪክ መቻር ከምዘይህቡ ገሊፆም።ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ብወገኖም፣እቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣርባዕተ ሰበ-ስልጣን ነበር ኣይፈትሕን።ብመስርሕ ፍርዲ ክሓልፉ ኣለዎም ኢሎም። ጆን ስታንዛ ንዝሰርሖ ሪፖርት።

ጀምስ ዋኒ ኢጋ ነዚ ሪኢቶ‘ዚ ዝሃቡ፣ገዛኢ ፓርቲ ምንቅስቃስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣባላት SPLM ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፣ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ክዛረቡ ከለው ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ሪክ መቻር ምክትል ኣቦ-መንበር ጆን ጋራንግ መእንታን ክኸውን ኢለ ካብ ገዛኢ ፓርቲን መንግስቲን ዝነበሮም ስልጣን ስለምንታይ ከምዝወረዱ ዘኪሮም።

ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ሓድነት መእንታን ክሰፍን ኢለ‘የ ንስልጣነይ ዘረከብኩ‘ውን በሉ ንሶም።

ሚስተር ኢጋ ወሲኾም፣ኣብ‘ቲ ኢጋድ ዘሳልጦ ዘሎ መስርሕ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣መቀሎ ስልጣን ዝብል እማመ እንተቀሪቡ፣ኣነ ስልጣነይ ኣየርክብን‘ውን ኢሎም ንሶም።

”ሽዑ ሃማም ጀምስ ዋኒ ኢጋ ንሪክ መቻር ስልጣኑ ኣረከበ።ናብ SPLM እውን ንክምለስ ሓገዘ።ኩሉ ጊዜ ሃማምን ሓርበኛን ኮይነ ዝቅፅል ድዩ ዝመስሎ ሪክ መቻር? ፈፂሙ፣ፈፂሙ ዘይኸውን‘ዩ‘ዚ” በሉ ኢጋ።

ጀምስ ዋኒ ኢጋ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብ መዕቆቢ ካምፕታትን ደቡብ ሱዳን ዘለው ተፈናቀልቲን ስዱዳትን ደቡብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ፀዊዖም‘ለው ኣብ መደረኦም።እቲ ጎንፂ ዓሌታዊ መኣዝን ነይርዎ ንዝብል ሪኢቶ‘ውን ይነፅግዎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ኣብ‘ቲ መድረኽ ዝተዛረቡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ካብ‘ቶም ዓሰርተ ሓደ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን ሎሚ ኣርባዕተ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ከምዝርከቡን ከምዘይፍትሑን ጠቂሶም።ኣብ‘ቲ መንግስቲ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኢሉ ዝገለፆ ተግባር ተሳቲፎም‘ዮም ዝተባሃሉ ኣርባዕተ ሰባት፣ኣይፍትሑን ብመስርሕ ፍርዲ ክሓልፉ‘ዮም ኢሎም እቶም ፕረዚደንት።ብዛዕባ‘ቶም ዝተፈትሑ ክዛረቡ ከለው፣

”ምሕረት ኣይሃብክዎምን።ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ብይን፣ንጊዚኡ ክፍትሑ‘ዮም።ኣንፃሮም መርተዖ እንተቀሪብዎም ግና ተመሊሶም ናብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ‘ዮም ኢሉ‘ዩ ኣፋንዮዎም።ብምሕረት ዘሰናበትክዎ ሰብ የለን። ከምኡ ንምግባር‘ውን ድልየት የብለይን” ኢሎም።

በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወፁን ኬንያ ዝኣተውን ሸውዓተ ኣባላት ተቃወምቲ፣ ናብ መድረኽ ልዝብ ከምዝሕወሱ ኣፍሊጡ‘ሎ።ቀፃላይ መድረኽ ልዝብ ሶኒ ከምዝኽፈት‘ውን ኢጋድ ሓቢሩ‘ሎ።
XS
SM
MD
LG