ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዘጋጠመ መጥቓዕቲ 20 ወታሃደራት ተኸሲሶም


ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን 20 ወታሃደራት ተኸሲሶም፡ ከይዲ ፍርዶም ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ መጋባእያ ትማሊ ሰሉስ ተጀሚሩ’ሎ።

ካብቶም ተጠርጠርቲ 13 አብ ቤት ፍርዲ ከተማ ጁባ ቀሪቦም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ አብታ ከተማ ንሓደ ሆቴል አጥቒዖም መካይን ሰሪቆም አብቲ ህንጻ ንዝነበረ ዳርጋ ኹሉ ሰብ ሓሪሞምን ዝተፈላልየ ስቅያት ፈጺሞም ዝብል ክሲ ቀሪብዎም’ሎ።

አካያዲ ስራሕ’ቲ ሆቴል ኣብ ዝሃቦ ቃለ ምስክርነት ብውሑዱ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብአፈሙዝ ጠበንጃ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን ሓደ ጋዜጠኛ ኸአ ብጥይት ተቐቲሉ ክብል መስኪሩ’ሎ።

ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ከምዝበሎ በቲ ፍጻመ ዝሰንበዱ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብቶም 1,200 ሜትር ጥራይ ርሒቆም ዝነበሩ ወታሃደራት ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ሓቲቶም ግን ምላሽ ኣይረኸቡን ኢሉ’ሎ።

እቲ ከይዲ ፍርዲ ኣብ ዝቕጽል ሶሉስ ክቕጽል’ዩ፡ ገበነኛታት ኮይኖም እተተረኺቦም ኸአ ሞት ክፍረዶም ከምዝኽእል ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ዓቓቢ ገሊጾም አለው።

እዚ ከምዚ ከሎ አብታ ሃገር ብዘሎ ጎነጽን ህጽረት ውሕስነት መግብን ብፍላይ ኩነታት አካላ ጉዱኣትን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG