ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን ነፃነታ ካብ እትእውጅ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ናብ ኣህገሮም ተመሊሶም


ንኣዋርሕን ዓመታትን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ዝፅበዩ ዝነበሩ ኣብ ወሰና ወሰን ሩባ ናይል ታኪቦም ይርአዩ።

ደቡብ ሱዳን ነፃነታ ካብ እትእውጅ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ልዕሊ 350 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ተፈሊጡ።ኣብዚ ሰሙን እዚ ጥራሕ 3,200 ተመለስቲ ብኣርባዕተ ዓበይቲ ጀልባታት ካብ ሱዳን ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ኣትዮም ኣለው።

ንኣዋርሕን ዓመታትን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ዝፅበዩ ዝነበሩ ኣብ ወሰና ወሰን ሩባ ናይል ታኪቦም ይርአዩ።

እተን ጀልባታት ናብቲ መራገፊ ክቐርባ እንተለዋ እቶም ዝፅበዩ ዝነበሩ ዝተኣከቡ ሰባት ናይታሕጛስ ድምፆም የስምዑ ነይሮም።

ሰባት ብሩባ ንምጉዓዝ ኣብ ኮስቲ ሱዳን ንኣዋርሕ፡12 ማዕልታት ድማ ኣቑሑቶም ክሳብ ዝፅዓን ተፀቢዮም እዮም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለምለኸ ቤት ፅሕፈት ስዱዳት ንልዕሊ 19 ሽሕ ሰባት ካብ ሱዳን ንኽምለሱ ሓጊዙ’ሎ።

እቲ ትካል ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 9,000 ሰባት ብሩባ ኣቢሉ ከምዘግዕዞም ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG