ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ስርዓተ ፈደራሊዝም ክተአታተው ጸዊዖም


ኣብ ኡጋንዳ ተዓቑቦም ዝርከቡ ደቡብ ሱዳናዊያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ስርዓተ ፌደራሊዝም ክተኣታተው ድልየት ከምዘለዎም ገሊፆም።ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ስልጣንን ፀጋታትን ንዝልዓሉ ግጭታት ፌደራሊዝም መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ።

ካብ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ኣሞሩ፣ሞዮን ጁማኒን ዝመፁ ስደተኛታት ንኡስ ኮሚቴ ስደተኛታትን ዓለምለኸ ርክብን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዘዳለዎ ሃገራዊ ዘተ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ እታ ሃገር ኣብ ሰለስተ ናይ ፌደራል ክልላት ክትኽፈል ይደልዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ማርቲን ኢድሮ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ሰላም ክዓስልን ደቡብ ሱዳን ክትቕፅልን እንተተደልዩ ግሬተር ኣፐር ናይል፣ግሬተር ባህር ኤል ጋዛልን ግሬተር ኢኳተሪያን ዝበሃላ ሰለስተ ናይ ፌደራል ክፍለ ግዝኣታት ክፍጠራ ኣለወን” ኢሉ።ካልኦት ተሳተፍቲ እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG