ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዪዳ ሕፅረት ቀረባት ከምዝነሃረ ተፈሊጡ


ኣብታ ኣብ ዪዳ እትርከብ እንኮ ክልኒክ ብዘይካ መድሓኒት ቓንዛ ካሊእ መድሓኒት ኣዕሪዩ ውሕድ እዩ

ደቡብ ሱዳን ኣብዝርከብ ኣብ ጥቓ መዕቖቢ ስደተኛታት ዪዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቦምብታት ድሕሪ ምዕላቡ ሕፅረት ቀረባት ከምዝነሃረ ተፈሊጡ። ብዙሓት ትካላት ረድኤት ካብ ጎረቤት ሱዳን ተወሳኺ መጥቕዕቲታት ከይፍኖ ብምስጋእ ካብቲ ቦታ ድሕሪ ምስሓበን ጥምየትን ሕማምን ይውስኽ ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ዪዳ እትርከብ እንኮ ክልኒክ ብዘይካ መድሓኒት ቓንዛ ካሊእ መድሓኒት ኣዕሪዩ ውሕድ እዩ።ኣብ ማዕልቲ ናብቲ ክሊኒክ ክሕከሙ ዝመፁ መብዛሕቲኦም 400 ሕሙማት ግን እቲ ፈውሲ ቓንዛ ኣየድልዮምን። መናእሰይ ንነፃነት /Youth for Freedmom// ኣብ ዝተብሃለ ናይ ሱዳን ገብሪ ሰናይ እትሰርሕ ነርስ ካዲ ዓሊ ፀረ ረኽሲ መድሓኒት ስለዝተወድአ ዓብዪ ሽግር ናይቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝኾነ ዓሶ ንምሕካም ከምዘይተኽኣለ ትገልፅ።ንሳ ነቲ ቤት መድሓኒት ዝምውልዎ ዩኤስ ኤይድን ኬር ኢንተርናሽናልን ናብ ስርሖም ንኽምለሱ ተስፋ ትገብር።

ሕፅረት ምግቢ ብፍላይ ኣብ ህፃውንቲ ጉድለት ኣመጋግባ እናስዐበ እዩ ይብሉ ናይቲ ክልኒክ ሰራሕተኛታት።

ውዕይ ናይ ዕዳጋ ምንቅስቓስ ይረእየሉ ዝነበረ ናይ ዪዳ ናይ ዕዳጋ ማእኸል ብዙሕ ዝሽየጥ የብሉን።ቀንዲ ሻቖሎት እቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ስእነት ምግቢ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ዪዳ ካምፕ ምስተደብደበ ዝሓለፈ ሰሙን ኩሎም ናይ ረድኤት በረራታት ንኽቛረፁ ገይሩ እዩ።ኣብ ክልተ ኣንእሽቱ ትካላት ረድኤት ኣብዝተረፋሉን በቢ ማዕልቱ ክሳብ 300 ዝፅግዑ ሰባት ካብ ደቡብ ኮረደፋን ይመፁ ኣብዘለውሉን ኣብ ዪዳ ዝርከቡ ስደተኛታት ምግቢ ምምፅኡ ንክቕፅልን ደብዳብ ነፈርቲ ጠጠው ንኽብልን ዘለዎም ተስፋ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG