ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ረፈረንደም ደቡብ ሱዳን 3 መዓልታት ተሪፉዎ


ረፈረንደም ኣብ ደቡብ ሱዳን
ረፈረንደም ኣብ ደቡብ ሱዳን

ፀጥታን ሰላም ህዱእ ኣሎ ይብል ሕ/ሃ

ኣስታት 4 ሚልዮን ደቡብ ሱዳናውያን፣ሰንበት ናብ ነቁጣታት መድመፂ ክውሕዙ‘ዮም።ኣብ‘ቲ ንሓደ ሳምንት ዝቅንይ መስርሕ ድምፂ ወይ ምስ ሱዳን ክሓብሩ ወይካኣ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ሓዳስ ትባሃል ናይ ባዕሎም ሃገር ንክምስርቱ ክውስኑ እዮም።

ደቡባዊያን ቅድሚ ሰንበት ኣብ ረፈረንደም ምድማፆም ንመወዳእታ ጊዜ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጎደናታት ወፍሪ የካይዱ ውዒሎም።

ድሕሪ ናይ ዘበናት ኲናት፣ሞት ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባትን ቁጠባዊ ውድመትን፣ደቡባውያን ንሓድነት‘ዶ ንናፅነት ንዝብሉ ኣማራፂታት ክውስኑ‘ዮም።

እቶም ኣብ‘ዛ ሓማድ ርእሰ-ከተማ ዝራኣዩ ፅሑፋትን ምልክታትን ሓበርቲ ውፅኢት እንተኾይኖም፣መብዛሕተኦም መረፅቲ ንናፅነት ዘድምፁ‘ዮም ምባል ይካኣል።

ዴቪድ ግሪስልይ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንልኡኽ ሕ/ሃ ዝውክል ባዓል-ስልጣን‘ዩ።ንሱ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ኩሉ ነገር ተዳልዩ ከምዘሎን

ኣቊሑት ረፈረንደም'ውን ኣርኪቡ‘ሎ።ኣብ ነቁጣታት መረፃ ዝምደቡ ሰራሕተኛታት ዛዛሚ ግቡእ ስልጠና ይዋሃቦም‘ሎ።ኩነታት ፀጥታ እውን ህዱእ‘ዩ ዘሎ።ከይዲ ረፈረንደም ኣብ ሰዓቱ ተጀሚሩ ብሰላም ክቅፅል‘ዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎና በለ።

ኣብ መላእ‘ቲ ዞባ ዝኽፈቱ ልዕሊ 26 ሽሕ ነቁጣታት ረፈረንደም ካብ ሰንበት ክሳብ ቀዳም ንዝተመዝገቡ ሰባት ከተኣናግዱ‘ዮም።

ብዙሓት ሰሜናውያን፡ ደቡባዊያን ክንፀሉ‘ዮም ኢሎም ተጨኒቆም‘ዮም ዘለው።ንሓድነት ንከድምፁ‘ውን ንደቡባውያን ይፅውዑ።ደቡባዊያን ግና፣ብካርቱም ተገፊዕና ኢና ኢሎም ስለዝኣምኑ፣ናፅነት‘ዩ ማዕረ ዝገብረና ዝብል እምነት ኣለዎም።

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ጁባ መገሻ ዝፈፀሙ ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር፣ መንግስቶም ንውፅኢት ረፈረደም ከምዘኽብር ገሊፆም‘ዮም።ንሶም

ኣብ እዋን ረፈረንደም ክዛረቦ ዝደልዮ ሓደ ነገር ኣሎ።እቲ መስርሕ ሰላማዊ፣ግልፅን ናፃን ኮይኑ ክዛዘም ድልየትና‘ዩ።ውፅኢት‘ቲ ህዝበ-ውሳነ ሓድነት ይኹን ምንፃል ብዘየግድስ፣ህዝቢ ብፀጋ ክቅበሎ ይግባእ ኢሎም።

ካብ ሱዳንን ወፃኢን ዝተወከሉ ኣማኢት ተዓዘብቲ ኣብ‘ቲ ቦታ ኣትዮም‘ለው።ንካብ ማእከል ካርተር ዝዋፈር ጉጅለ ተዓዛቢ ወኪላን ኣቀዲማ ዝተበገሰትን ሳራ ጆንሰን፣እቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዝዝረበሉ ዘሎ ታሪኻዊ ፍፃመ ዝፈጥሮ ውጥረት ርዱእ ምኻኑ ገለፀት።

ውፅኢት ረፈረንደም ደቡብ ሱዳን ክሳብ ሳምንታት ኣይፍለጥን።እንተኾነ ነቊጣታት ምርጫ ጊዚያዊ ውፅኢት ኣብ ሰዓቱ ስለዝገልፁ ኣንፈት ውፅኢት ክሕብር ይኽእል‘ዩ።

XS
SM
MD
LG