ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዙሓት ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ንረፈረንደም ሱዳን ይፅበዩ


ገለ ካብ ምልክታት ረፈረንደም ደቡብ ሱዳን
ገለ ካብ ምልክታት ረፈረንደም ደቡብ ሱዳን

ካርቱም ንሚድያ ትድርት፡ከየፃረየት ትኣስር'ላ ተባሂሉ

ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ረፈረንደም ደቡብ ሱዳን ንክፍፀም መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ጊዜ፣ኣንፃር ሚድያ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱን ከየፃረዩ ይኣስሩ ከምዘለውን ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ገሊፀን።

ናቪ ፒይለይ ኣብ ዘረበአን፣እቲ ረፈረንደም ናፃን ርትዓዊን ኮይኑ ክዛዘም ኣገዳሲ‘ዩ፣ኣብ ታሪኽ ሱዳን ድማ ወሳኒ ምዕራፍ ኣለዎ ኢለን።

ንሰን ወሲኸን፣መንግስቲ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንመረፅቲ ምፍርራሕ ከምኡውን ንውፅኢት ረፈረንደም ምፅላም ብህፁፅ ደው ከብልዎ ፀዊዔን።

ኣስታት 4 ሚልዮን ሰባት፣ኣብ‘ቲ ረፈረንደም ንክድምፁ ተቀሪቦም‘ለው።ምስ ሱዳን ክሓብሩ ወይካኣ ሃገር ክምስርቱ ዕድል ኣለዎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኢትዮዽያ ዝርከቡ ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ዝግመቱ ተወላዶ ደቡብ ሱዳን ኣብ‘ቲ ሰንበት ዝሳለጥ ረፈረንደም ንክሳተፉ ምዝገበኦም ዛዚሞም ተባሂሉ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምክትል ወኪል ዴቪድ ዳንግ ኮንግ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ተመዝገብቲ ብዛዕባ ኣዋሃህባ ድምፂ ስልጠና ተዋሂብዎም‘ሎ ኢሎም።ነቲ ስራሕ ሓላፍነት ተቀቢሉ ዘሎ ድማ ዓለም-ለኸ ትካል ማይግረሽን‘ዩ ይብሉ።

እቶም ዝተመዝገቡ ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ኣሶሳ፣ጋምቤላን ካልኦት ከባቢታትን ከምዝርከቡ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG