ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ኣብ ልዕሊ ረፈረንዶም ደቡብ ሱዳን


ደቡብ ሱዳናውያን ነፃ ንምውፃእ ወይከኣ ምስቲ ዝተረፈ ክፍሊ ሱዳን ብሓደ ንምንባር ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ረፈረንዶም ኣካይዶም’ለው። እንተኾነ ነፃ ሃገር ናይ ምኻኖም ጉዳይ ዘይተርፍ ኾይኑ ይርአ’ሎ።

እዚ ናይ ደቡብ ሱዳን ረፈረንዶም ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለው ክፍለዩ ዝደልዩ ምንቅስቃሳት ሕማቅ ኣብነት ክኮኖምን ከተባብዖምን ይኽእል’ዩ፡ ነታ ኣህጉር’ውን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ’ዩ ዝብል ክትዓት የልዕል’ሎ።

"ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ ካብዚ ተመኩሮ ናይ ደቡብ ሱዳን ክመሃሩ ይኽእሉ’ዮም። ንዜጋታቶም ማዕርነትን ፍትሕን ብቃልን ተግባርን እንተደአረጋጊፆምሎም ብሓደ ምንባር ዝፅልእ የለን፡ እዚ ስለዘይኸውን ዘሎ'ዩ ምፍልላይ እንኮ ፍታሕ ዝኸውን ዘሎ" ክብል ኣማኑኤል ዓንደብርሃን ካብ ዩኒቨርስቲ መነሶታ ፉል ብራይት ሪሰርች ፌለው ተዛሪቡ። ብስራት ከበደ ምሁር ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ካብ ፊነክስ ኣሪዞና ኸአ "ምፍልላይ መፍትሒ ኣይኮነን" ኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG