ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳናውያን ን’5ይ መዓልቶም ድምፆም ክህቡ ዊዒሎም


ደቡብ ሱዳናውያን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ረፈረንዶም ሎሚ ን’5ይ መዓልቶም ድምፆም ክህቡ ዊዒሎም። ርእሰ-ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ዕለታዊ ንጥፈታት ከም ወትሩ ተካይድ’ላ ክብሉ ነበርቲ’ታ ኸተማ ዝኾኑ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ገሊፆም።

ካብ ወትሩ ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ነገር እንተሃልዩ ምሸት ሰባት ቅልጥፍ ኢሎም ብኣግኡ ገዝኦም ምእታዎም’ዩ ኢሎም።

ኣብ ከተማ ጁባ ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ክልኦትን ኢንቨስትራት ይውሕዝዋ ከምዘለውን ኣቲ ሪፈረንዶም ናይ ብዙሓት ትፅቢት ምኻኑን እቶም ኤርትራውያን መንእሰያት ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG