ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን በይናዊ እገዳ ሸመተ ኣጽዋር ድሕሪ ምንባራ: ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደራ ካብ ኣሜሪካ ከምዝሰሓበት ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግ ነቲ ውሳነ ኣሜሪካ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ: ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንግጭት ደቡብ ሱዳን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሑ ንዝካየድ ጻዕርታት ብኣሉታ ከምዝጸልዎ ሓቢሮም።
"ጋራንግ ዲንግ (ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣሜሪካ ) ናብ ጁባ ተሳሒቡ ኣሎ። ዲፕሎማስያዊ መልእኽቱ ድማ ይፈልጥዎ እዮም" ክብሉ እቶም ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ብተወሳኺ ገሊጾም።
ማወይን ማኮል ኣሪክ ዝተባህለ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ግን ንምስሓብ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን "ምምሕዳራዊ ጉዳይ" እዩ ክብሉ ኣነኣኢሶሞ ኣለው። ንሶም እቲ ሚኒስትሪ ንኣምባሳደራት ጸዊዑ ብምዝርራብ ንምምሕዳራዊ ጉዳያት ብዝምልከት መብርሂ ረኺቡ ዝመልሰሉ ልሙድ ኣሰራርሓ ምዃኑ ብምግላጽ፣ "እቲ ስጉምቲ ውዱእ ምስሓብ ኣይኮነን፣ መጺኻ ምምኻር እዩ" ክብሉ እረዲኦም።
እቶም ምክትል ፕረዚደንት ግን በቲ ዝተስገደደ እገዳ ኣይክንወድቕን ኢና ምኽንያቱ መሓዙትና ኣብኡ ስለዘለዋ ክብሉ'ዮም ኣፍሊጦም። ንሶም "ኣሜሪካ ብመገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሸመተ ኣጽዋር እገዳ ከተስገድድ እዩ ድልየታ ነይሩ። ይኹንምበር ሩስያን ቻይናን ተቓዊመንኦ" ክብሉ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ታባን ደንግ ብተወሳኺ ገሊጾም።