ዋሽንግተን ዲሲ —
ናይ ደቡብ ሱዳን ተቓወምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሩባ ናይል ነዳዲ ንዝጸዓነት ታንኳ ዓጂቦም ይጉዓዙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ንዝተዓፈኑ 13 ኮንተራክተራት ሕቡራት ሃገራት ፈቲሖም ኢሉ ሕቡራት ሃገራት።
ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም ኮንትራክተራት ምስ ታንኳኦም ከምዝረተኽቡ'ውን ሓቢሩ'ሎ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቶም ተቃወምቲ ኣብታ ታንኳ ተጻዒኑ ንዝነበረ 55 ሽሕ ሌትር ነዳዲ፣ናይ መራኸቢ መሳርሒታትን ሸውዓተ ብረትን ክመልሱ ጸዊዑ’ሎ።