ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተፈትሑ ፖለቲከኛታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲሳበባ መግለፂ ሂቦም


ዝተፈትሑ እሱራት
ዝተፈትሑ እሱራት
ኣብ መስርሕ ልዝብ ደቡብ ሱዳን ንክሳተፉ ኣዲሳበባ ዝኣተው ሸውዓተ ኣባላት ተቃውሞ፣እቶም ተኣሲሮም ዝርከቡ ብፆቶም ንክፍትሑ ፀዊዖም።ኣብ’ቲ ልዝብ ከምሳልሳይ ወገን ኮይኖም ከምዝሳተፉ‘ውን ኣፍሊጦም።

እቶም ሎሚ ኣብ ሆቴል ሂልተን ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ሰበ-ስልጣን ነበር፣ምንስቲራት ፍትሒ፣ጉዳያት ካቢነ፣ጉዳያት ወፃኢን ቴሌኮምኒኬሽንን ካልኦትን ይርከብዎም።

እዞም ሰበ-ስልጣን‘ዚኣቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ፍሹል ዕልዋ መንግስቲ ኣካይድኩም ተባሂሎም ዝተኣሰሩን ብፃዕሪ ኢጋድ ዝተፈትሑን‘ውን‘ዮም።

ናይ‘ቶም ንድሕሪት ዝተረፉ ኣርባዕተ እሱራት ምፍታሕ ንዓወት ቀፃላይ መስርሕ ልዝብ ኣዝዩ ወሳኒ ምኳኑ ኣብ‘ቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም። ሚስተር ኣለር ኮል ምንስትር ወፃኢን ጉዳያት ካቢነን ኮይኖም ዘገልገሉ‘ዮም ክዛረቡ ከለው፣እቶም ኣርባዕተ እሱራት ክሳብ ዝፍትሑ ፀቅጢ ክሕይል‘ዩ ኢሎም፣

”እሱራት ክፍትሑን ናብ‘ቲ ልዝብ ክሕወሱን ኣዝዩ ወሳኒ‘ዩ።እዚ ንሸምገልቲ ኢጋድ ገሊፅናሎም ኢና።ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ‘ውን ሓቢርናሎም ኣለና።ንክፍትሑ ክፍትን‘የ ኢሎም‘ውን ቃል ኣትዮምልና‘ዮም።ሸምገልቲ‘ውን ቃል ኣትዮምልና‘ለው። ፅባሕ ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክንራኸብ ኢና፣ንሶም‘ውን ክፍትኑ‘ዮም” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ፀቅጢ ክሕይል ኣለዎ ዝብሉ እቶም ባዓል ስልጣን ነበር፣ሚስተር ኬር ንፃውዒት መራሕቲ ክሰምዑ ይግባእ‘ውን ይብሉ።ኩላትና ዝተኣሰርናሉ ጉዳይ ተመሳሳሊ ስለዝነበረ እቶም ኣርባዕተ ተፈልዮም ዝእሰርሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይኽእልን‘ውን ኢሎም።

ኢጋድ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንክረክብ ዝፃወቶ ንዘሎ ተራ ዝናኣዱ እቶም ዝተፈትሑ ሰበ-ስልጣን ነበር፣ንተግባር ኡጋንዳ ግና ኮኒኖም።ብደቡብ ሱዳን ተዓዲመ‘የ ኣትየ ክትብል ንተቅርቦ መልሲ‘ውን ኣይተቀበሉዎን።

ሚስተር ኣለር ኮል ኣብ መግለፂኦም፣ኡጋንዳ ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ክሳብ መዓስ‘ያ ክትሕልዎ? ኢሎም ይሓትት።

”ደቡብ ሱዳን ሉኣላዊት ሃገር‘ያ።ካብ መግለፂታት ሉኣላዊነት ሓደ ድማ ሓይሊ‘ዩ።ሰራዊትካ ሓለዋ ክገብረልካ እንተዘይኪኢሉ፣ወፃእተኛ ሓይሊ ከረጋግፀልካ ኣይኽእልን።ሰራዊት ኡጋንዳ መሃየኦም ዝኽፈሎም‘ኮ እቲ ካብ መሸጣ ነዳዲ ንእክቦ ዶላር‘ዩ።ክሳብ መወዳእታ እናኸፈልናዮም ክንቅፅል ኣይንኽእልን።ብዘይካ‘ዚ ንምዕዋት‘ዚ መስርሕ ሰላም‘ዚ፣ኡጋንዳ ሰራዊታ ክትስሕብ ኣለዋ” ክብል ይገልፅ።

ዝተፈትሑ ሸውዓተ ፖለቲከኛታት ደቡብ ሱዳን፣ኣብ‘ቲ ደብረ-ዘይት ተተኣናግዶ ዘላ ካልኣይ ዙር ልዝብ ሰላም ክሳተፉ‘ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።ንሳቶም ክዛረቡ ከለው፣ንሳተፍ ግን ንመንግስቲ ወይ ንተቃወምቲ ወኪልና ዘይኮነስ ንነብስና ወኪልና‘ዩ ኢሎም ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።
XS
SM
MD
LG