ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንትን ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ዘትዮም


President Salva Kiir and Prime Minister Abiy Ahmed
President Salva Kiir and Prime Minister Abiy Ahmed

ንናይ ሓደ ማዕልቲ ወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣዩ ኣወንታዊ ለውጥታት ምድናቖም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኣፍሊጦም።

ሓላፊት ፕረስ ናይቲ ቤት ፅሕፈት ቢል ለኔ ስዩም ንጋዜጠኛታት ከምዝተዛረብኦ እቶም ፕሬዝዳንት ንሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫን ካልኣይ ምምላእ ግድብ ህዳሴን ብዓወት ምዝዛሙ ኣድኒቖም ኢለን።

ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ውሽጣዊ ፈተና ጣልቃ ምእታው ከምዘይብሎም እቶም ፕሬዝዳንት ምዝራቦም ቢል ለኔ ስዩም ገሊፀን ኣለዋ።

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሎማዕንቲ ኣብ ቦሌ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ምስ ዝተቐበሉዎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቦም ኣለው።ሓላፊት ክፍሊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ከምዝበልኦ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልትኣዊ ርክባትን ንኽልቶም ብሓባር ዘተሓሳስቡዎም ከባቢያዊ ጉዳያትን ተዘራሪቦም።

ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኢትዮጵያ ዘመዝገበቶም ኣወንታዊ ውፅኢታት ከምዘድነ ቑ እተን ሓላፊት ፕረስ ተዛሪበን።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብዕዉት ብምዝዛሙ ንቀዳማይ ምንስቴርን መንግስትን እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ከምዝበሉዎም ዝገለፃ ንሰን ካልኣዩ ዙር ምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዓወት ምዝዛሙ ብምንኣድ እውን ደቡብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ዝለዓለ ቦታ ምሃባ ከም እትቕፅል ደጊሞም ኣረጋጊፆም ኢለን።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እውን ኣብ እዋን ምይይጥ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ከምዝተልዓለን ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ንፃዕርታት መንግስቲ ምድጋፎምን ብል ለኔ ስዩም ሓቢረን።

‘’ብረታዊ ግጭት ዘልዓለ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ ብህወሓት ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም’’ ምስ በላ ‘’'መንግስቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምሕላው ዝገበሮ ፃዕሪ እውን ኣድኒቖም እዮም።ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝገጠማ ውሽጣዊ ፈተና ጣልቃ ዘይምእታዎም ኣድላይ ምዃኑ ኣፅንኦም ብምሃብ ገሊፆም ‘’ ክብላ ተዛሪበን።

ብል ለኔ ስዩም ኣብ መግለፂአን ህወሓት እቲ ውግእ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሑ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ሰባት ቁፅሮም ምውሳኹ ገሊፀን ኣለዋ።በዝሒ ተመዛበልቲ ልዕሊ 500,000 ምዃኑን ህፁፅ ረድኤት ከምዘድልዮምን ሓቢረን ኣለዋ።

መንግስቲ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ኣስታት 5,000 ኩንታል እኽሊ ምክፍፋሉን ተወሳኺ 4,600 ኲንታል ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ተረባሕቲ ምክፍፋሉ ተዛሪበን።

ትግራይ ብዝምልከት እውን ክሳብ ሎሚ 318 ረድኤት ምግቢ ዝፀዓና መካይን ናብቲ ክልል ምእታወን እተነ ሓላፊት ፕረስ ኣመልኪተን።ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ምንቅስቅሃስ ሰብኣዊ ረድኤት ንምስላጥ እውን ቀረብ ዝፀዓና መካይን ይፍተሻሉ ዝነበረ ቁፅሪ ኖቕጣታት ካብ ሸውዓተ ናብ ሰለስተ ከምዝወረደ ፍሊጠን።

ገለ ዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ብብዙሕ ናይ መፈተሺ ኖቕጣ ምሕላፈን ምንቅስቓሰ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምድንጓይ ይፈጥር እዩ ዝብል ቅሬታ ከቕርቡ ምፅንሖምይዝከርይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG