ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ዝርከብ ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ቁጠባዊ ኩነታት ዝዝትይ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ንምክፋል ትማሊ ረቡዕ ካርቱም ኣትዮም።
ካብ ቤት ጽሕፈት ንጥፈታት ፕረዚደንት ሳልቫኬር ዝከታተል ሚንስትሪ ማያክ ኣይ ደንግ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ነቲ ብፕረዚደንት በሽር ዝቐረበሎም ዕድመ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎን ክልቲኣን ሃገራት ዘለወን ፍልልያት ክፈትሑ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።
ንሶም ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ምቕጻል ፍርያት ነዳዲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ፡ ኣብ ዶባት ክልቲኣን ሃገራት ዘሎ ናይ ንግዲ ንጥፈታትን ንግዲ ብሓፈሻን ከምዝዝትዩ ሓቢሮም።
ምቕጻል ፍርያት ነዳዲ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዩኒቲ ነቲ ዘንቆልቁል ዘሎ ቁጠባ ደቡብ ሱዳን ክብ ዘብል ምኳኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት 98 ሚእታዊት ቁጠባ ደቡብ ሱዳን ኣብ ነዳዲ ዝተመርኮሰ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዝተላዕለ ኩናት ፍርያት ነዳዲ ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ደው ዝበለ ኮይኑ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2015 ዓ.ም ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብተደጋሚ ብምጥሓሱ ፍርያት ነዳዲ ክሳብ ሕጂ ደው ኢሉ ይርከብ።
ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ሱዳን ካብ ትንጸል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬር ካርቱም ክበጽሑ እዚ ሳልሳይ ጊዚኦም እዩ።