ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዓመፅትን ንማዕልታት ዝተኻየደ ውግእ ጠጠው ክብል ኣዚዞም


ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዓመፅትን ንማዕልታት ዝተኻየደ ውግእ ጠጠው ክብል ኣዚዞም።እንተወሓደ 150 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።እታ ሃገር ናብ ሕድ ሕድ ኲናት ትጥሕል ኣላ ዝብል ስግኣት ይዓቢ’ሎ።

ተፃብኦ ጠጠው ንምባል ሎማዕንቲ ሰኒ ዝወፀ ኣዋጅ ኣብ ጁባ ዝካየድ ውግእ ክሳብ ምሸት ስዓት 12 ክልቲኦም ወገናት ጠጠው ክብሉ ይእዛዝ።ኣዘዝቲ ሓይልታቶም ክቆፃፀሩን ንህይወት ስቪላትን ንብርትን ክሕልዉን ይእዝዝ እቲ ኣዋጅ።

እሙናት ወታደራት ምኽትል ፕሬዝዳንት ሪያክ ማቻር ነቲ ፕሬዝዳንታዊ ትእዛዝ ዝቕበሉ እንተኾይኖም ንፁር ኣይኮነን።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ሓይልታቶም ክቆፃፀሩ ብምፅዋዕን ኣብ ልዕሊ ስቭሊኣትን ትካላት ሕቡራት መንግስታትን ዝቐፀለ መጥቓዕቲ ብገበናት ኲናት ከሕትት ይኽእል እዩ ዝብል ውሳነ ድሕሪ ምውሳኑ ድሕሪ ስዓታት እቲ ውግእ ኣብ ምሉእ ከተማ ጁባ ንሓምሻይ ማዕልቲ ቐፂሉ’ሎ።

ወታደራት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣስታት 30 ሽሕ ስቪላት ንዝተዓቖብሉ ቀፅሪ ሕቡራት መንግስታት ብከቢድ ብረት ብምድብዳብ ዓሰርተታት ምማቶም ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ጥቓ መደብር ሕቡራት መንግስታት ናይ ዝርከብ ክልኒክ ሓላፊ ፀጥታ በድቡድ ቾል ሓይልታት መንግስቲ ናብቲ ቐፅሪ ምትኳሶም ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG