ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝጠመተ ጉባኤ ኣብ ዋሽንተን ይካየድ ኣሎ


ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ምስተነፀለት 70 ሚእታዊ ሃብቲ ነዳዲ ሒዛ እያ ተፈሊያ።

ኣብ ሓዳስ ሃገር ደቡብ ሱዳን ዘተኮረ ዓለምለኸ ጉባኤ ትማሊ ረቡዕን ሎማዕንቲ ሓሙስን ተኻይዱን ይካየድን ኣሎ።ኣብቲ ዋዕላ ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪርን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴንን መደረ ኣስሚዖም።ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝነብሩ ደቡብ ሱዳናዊያን ኣሜሪካዊያን ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋፅ ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ።

ፕሬዝዳንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።ዓለምለኸ ኢንቨስተራት ከም ሓደ ዓብይ ሽምን ዝናን ዘለዎ ሰብ ነይሩ እንዃዕ ደሓን መፃእኹም ኢሉ ዝተቐበሎም።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ብወገኖም ከምዚ ኢሎም ነይሮም ’’ ድሕሪ እዚ ዋዕላ እዚ ኣብ ነዳዲ፡ናይ ተፈጥሮ ጋዝን ፀጋታት ማዕድንን ዘልዉና ዕቑር ፀጋታትና ኣብ ምልማዕ ክትሕግዙና ናብ ደቡብ ሱዳን ምሳይ ንኽትኸዱ እዕድመኩም ኣለኹ እደሊ።’’

ነዳዲ ነታ ሓዳስ ሃገር ዓብዪ ፀጋ እዩ፡ምንጪ ውጥረት’ውን እዩ።ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ምስተነፀለት 70 ሚእታዊ ሃብቲ ነዳዲ ሒዛ እያ ተፈሊያ።እንተኾነ ኣፍደገ ባሕሪ የብላን። ነዳዲ ናብ ወፃኢ ንምሕላፍ ንሰሜን ሱዳን እያ ትጥቀም።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴን ነዳዲ ንደቡብ ሱዳን ካብ ድኽነት ከውፅኣ ይኽእል እዩ ምስበላ መጠንቀቕታ ዝሓዘለ መልእኽቲ’ውን ኣሕሊፈ ነይረን።

ከምዚ ብምባል ‘’ን ህዝብኹም ኣግሊሉ ኣብስልጣን ዝርከቡን ዝተምሃሩን ውሑዳት ሰባት፡ፍሉይ ረብሓ ዘለዎ ናይ ወፃኢ ጉጅለታት፡ኮርፖረሽናትን ሃገራትን ዘበልፅግ ርግማን ተፈጥሮ ንኸይኽውን ክትጥንቀቑ ኣለኩም።’’

ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ሱዳን ንነፃነት ደቡብ ሱዳን ተዋጊኡ እዩ።ኣንጂሎስ ኣጎክ ሎሚ ኣሜሪካዊ እንተኾነ’ውን ካብኦም ሓደ እዩ ነይሩ።ንሱ ደቡብ ሱዳን ነፃ ንክትኸውን ምሕጋዙ ኩርዓት ይስምዖ።

ዓለምለኸ ኩባንያታት ናብ ደቡብ ሱዳን ክኣትዋ ከለዋ ምእቲ ካብ ምእቲ ምስ ሰራሕተኛታተን ከምዝመፃን ደቡብ ሱዳናዊያን ዋላ እቲ ዝተሓተ ናይ ፅሪየት ስራሕ እውን ዕድል ከምዘይረኽቡን ሓደ ኣብዚ ኣብ ዋሽንገተን ዲሲ ዝነብር ደቡብ ሱዳናዊ ኣሜሪካዊ ይዛረብ።

XS
SM
MD
LG