ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ኣብ ኣዲሳበባ ቀፂሉ‘ሎ


ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን
ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን
ኣብ ሞንጎ ተናሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን፣ውዕል ምቁራፅ ተኹሲ ንክትግበር ዘኽእል ልዝብ ሰላም፣ምጡን ለውጢ ከምዘርአየ ተገሊፁ።

ዓወት ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ደቡብ ሱዳን ንክልተ መዓልታት ዝቀፀለ ልዝብ ሰላም፣ኣብ ሓንቲ ኣጀንዳ ዝተንጠልጠለ ይመስል። መንግስቲ ነቶም ዝተኣሰሩ 11 ኣባላት ደባይ ተዋጋእቲ እንተፈቲሕዎም።

ልዝብ ሰላም ኣዲስ ኣበባ ብሽምግልና ኢጋድ በይነ መንግስታት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ‘ዩ ይካየድ ዘሎ።እቶም ሸምገልቲ ትሕዝቶ ምቁራፅ ተፃብኦ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ንምዝርራብ ጁባ ኣትዮም‘ለው።

ንደቡብ ሱዳን ወኪሉ ኣብ‘ቲ ልዝብ ይሳተፍ ዘሎ ሚካኤል ማኩይ፣እቶም ንጁባ ዝገየሹ ሸምገልቲ ምስ ተመልሱ ውዕል ሰላም ብቅልጡፍ ክኽተም‘ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ደባይ ተዋጋእቲ ግና ርግፀኛታት ኣይኮኑን።ምፍታሕ 11 እሱራት ቁልፊ መኣዝን‘ቲ ልዝብ‘ዩ ባሃልቲ‘ዮም።ወኪል ደባይ ተዋጋእቲ ጀነራል ታባን ዴንግ ጋይ፣እሱራት ብዘይቅድመ ኩነታት ክፍትሑ ከምዝግባእ ገሊፁ‘ሎ።

ደገፍ ደባይ ተዋጋእቲ ዘለዎም 11 ሰባት ዝተኣሰሩ ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ፈቲኖም ተባሂሉ‘ዩ።መንግስቲ ሱዳን ብወገኑ ብሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ዝሓልፉ ኣይፈትሕን ይብል።

ኲናት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘየባረየሉ እዋን፣ልዝብ ሰላም ኣዲሳበባ‘ውን ካብ ፅባሕ ሓሙስ ጀሚሩ ክቅፅል‘ዩ።
XS
SM
MD
LG