ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ኣሜሪካ፡ብሪጣንያን ኖርወይን ንመስርሕ ሰላም ተቆጻጺረነኦ ክብ ከሲሱ


ሚንስትር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ማይክል ማኩዊ ኣሜሪካ፣ብሪጣንያን ኖርዌይን ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ተቖፃፂረነኦ ክብሉ ኸሲሶም።

ንሶም ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጁባ ኣብዘስምዕዎ መደረ ወግዓዊ ሽማግለ ናይቲ ከይዲ ልዝብ ዝኾነ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተኻየደ ዝለዓለ መድረኽ ኣይመርሖን ዘሎ ኢሎም።

እቲ ኣጀንዳ ሃገራት ትሮይካን ብዝብል ዝፅውዓ ብኣሜሪካ፣ብሪጣንያን ኖርወይን ይዕብለል ኣሎ ኢሎም ኣለው።ብዛዕባ እዚ ካብ ሰበስልጣን ኢጋድ ርእይቶ ኣይተረኽበን።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ጉጅለታት ዓመፅትን ኣብ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ግጭት ካብ ዝለዓል ኣስታት ኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎምን ዝዓበየ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝወደቐን ይፍለጥ።

ኢጋድ ኣብ ናይ ሽግግር መንግስቲ ኣርባዕተ ምኽትል ፕረዝደንትታት ክህልውን ገሊኦም መንግስታዊ መሓውራት ፈሪሶም ሓደሽቲ ከጣይሹን ኢጋድ ንዘቕርቦ ንድፊ መንግስቲ ኪር ኣይቕበሎም ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG