ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ምፍራመይ ክመኽረሉ እየ ኢሎም


ናይ መወዳእታ ክኸውን ተስፋ ዝተገብረሉ ራብዓይ ዙር ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ’ሎ።መራሒ ተቓዋሚ ሪያክ ማቻር ኣብቲ ሰነድ ፊርምኦም ኣንቢሮም፤ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ግን ንምፍራም ምስተሰማምዑ ሓሳቦም ብምቕያር ተወሳኺ ግዜ ሓቲቶም ኣለው።ደጋጊሙ ከጠንቅቕ ዝፀንሐ ማሕበረሰብ ዓለም እውን ናይ ሳልቫ ኪር ናይ መወዳእታ ምላሽ ንምፅባይ ዝወሰነ ይመስል።

ንተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳናዊን ዘየሰማምዖም መቐሎ ስልጣን እዩ።ብፍላይ ንፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር።

ኣብ ሃገሮም ዝቐፀለ ግጭት ደው ንምባል መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ ክልቲኦም ወገናት ዝተሰማምዕሉ እዩ።እቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝፀንሕ ንኽልተ ዓመትን ፈረቓን እንትኸውን ኣብ ውሽጢ እዚ ግዜ ሓድሽ ሕገ መንግስቲ ክንደፍን ሓፈሻዊ መረፃ ክካየድን ኣለዎ።

ኣብቶም ቀዳሞት 18 ኣዋርሕ ናይ መሰጋገሪ እዋን ክልቲኦም ወገናት ነናይ ባዕሎም ሰራዊት ይመርሑ።ድሕሪኡ ግን ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ይኾኑ።

ናይ ኢትዮጵያ፣ናይ ኬንያ፣ናይ ኡጋንዳ፣ናይ ሱዳንን ጁብቲን መራሕቲ ኣብዝተረኸብሉ እዋን ክልቲኦም ወገናት ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ክሰማምዕሉ ተረዳዲኦም ነይሮም።

ይኹን እምበር ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ትማሊ ሰኒ ሓሳቦም ብምቕያር ካብቲ ሰነድ ዘይቅበሎ ነጥቢ ኣሎ ክብሉ ብምሕባር ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮም ንቶም ሸምገልቲ ከምዝነገሩዎም ቀንዲ ኣደራዳሪ ኢጋድ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ይገልፁ።ተወሳኺ ግዜ ዝሓተትሉ ምስ መቐሎ ስልጣን ዝተኣሳሰረ እዩ ይብሉ ኣቶ ስዩም።’’ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ከይፍርመሉ ዝኣገዶ ነጥቢ ስልጣን ከካፍል ፍቓደኛ ስለዘይኮነ እዩ’’ ዝበሉ ኣቶ ስዩም ‘’ኣብ ካልኦት ጉዳያት እዚ እዩ ዝብሃል ዝጭበጥ ነገር ኣየቕረቡን።…ብዝኾነ ገና ክንመኽረሎም ንደልዮም ነጥብታት ስለዘለና ይናውሐልና እዮም ኢሎምና’’ኢሎም።

ብመሰረት ክልቲኦም ወገናት ክፍርምሉ ዝተዳለወ ሰነድ ሳልቫ ኪር ፕሬዝዳንት መሰጋገሪ መንግስቲ ክኾኑ መንሓንሕቶም ሪያክ ማቻር ድማ ሓድሽ ኣብ ዝፍጠር ናይ ተቀዳሚ ምኽትል ፕሬዳንትነት ስልጣን ክሕዙ እዮም።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ከበድቲ ጉዳያት ውሳነ ንምሃብ ናይቶም ተቀዳሚ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኣወንታ ክረኽቡ ኣለዎም ዝብል ኣርእስቲ ንሳልቫ ኪር ኣየሐጎሰን።

ካብ ትማሊ ንከይሓልፍ መጠንቀቕታ ክህብ ዝፀንሐ ኢጋድን ማሕበረሰብ ዓለምን ንግዚኡ ተወሳኺ እዋን ምሃብ መሪፁ’ሎ።ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ምስ ደገፍቶም ንክመኽርሉ ክልተ ሰሙን ተዋሂቡዎም ኣሎ።

ናይ እዋኑ ናይ ኢጋድ ኣቦ መንበር ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ፕሬዝዳንት ዳልቫ ኪርን መሳርሕቶምን ነቲ ሰነድ ብምፍራም መዕልቦ ክህብሉ እምነ፣ከምኡ ክገብሩ እውን ከተባብዖም እደሊ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG