ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ንስምምዕ ሰላም ኣይፍርምን ኢሎም


South Sudanese President Salva Kiir .

መንግስትን ዓመፅትን ደቡብ ሱዳን ን20 ኣዋርሕ ዝዘለቐ ሕድ ሕድ ኲናት ንቐብቅዕ ስምምዕ ሰላም ሎማዕንቲ ሰኒ ክፍርሙ መራሕቲ እቲ ዞባ ድፍኢት እንተገበሩ እውን ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣይፍርምን እየ ክብሉ ነፂጎምዎ።

ውሳነ እቶም ፕሬዝዳንት ነቲ ብኢጋድ ሸምጋልነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ንዘሎ ፃዕርታት ሰላም ዳሕረዋይ ኺሳራ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኲናት ክቕፅል ማለት ድዩ ተባሂሎም ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል ዓመፅቲ ስቴፈን ፓር ‘’ብዘይጥርጥር’’ ክብሉ መሊሶም።

ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ መንጎ መራሒ ዓማፂ ሪያክ ማቻርን መራሒ ገዛኢ ፓርቲ ደቡብ ሱዳን ፓጋም ኣሙምን ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ እንተነበረ እውን እቶም ፕሬዝዳንት ነቲ ስምምዕ ምስ ነፀጉዎ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ’ሎ።

ፕሬዝዳንት ኪር ኣብ ናይ መንግስቲ ናይ ትዊተር ገፅ ኣብ ዝፅሓፍዎ መልእኽቲ ’’ዘላቕነት ዘብይሉ ሰላም ኣይንፍርምን’’ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ሰላም ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ዖማር ኣል-በሽር፣ናይ ኡጋንዳ ፕሬዝዳንት ዩዌሪ ሙሶቮኒን ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝን ተሳቲፎም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው መገሽኦም ምስ ሰረዙ ድሕሪ ክልተ ማዕልታት እዩ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG