ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስተይ ንናይ ደቡብ ሱዳን ዓመፅቲ ኣይድግፍን እዩ ኢሎም ፕሬዝዳንት ኣል-በሽር


Members of South Sudan's rebel delegation are seen at the opening ceremony of peace talks in Ethiopia's capital Addis Ababa, Jan. 4, 2014.
Members of South Sudan's rebel delegation are seen at the opening ceremony of peace talks in Ethiopia's capital Addis Ababa, Jan. 4, 2014.
ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር መንግስቶም ንናይ ደቡብ ሱዳን ዓመፅቲ ከምዘይሕግዝ ቃል ኣትዮም።ልኡዃት ተነሓናሕቲ ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ቅርፂ እቲ ዝርርብ ምስምምዖም እውን ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ኦማር ኣል-በሽር ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ሓፂር ዑደት ብምፍፃም ምስ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ድሕሪ መርኻቦም እዮም ነዚ ሪኢቶ ዝሃቡ።
ፕሬዝዳንት ክር ንዝገበሩሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ብምምስጋን ሱዳን ኣንፃር ዝኾነ ይኹን ጎረቤት መንግስቲ ንዝንቀሳቐሱ ዓመፅቲ ኣይትድግፍን ኢሎም ፕሬዝዳንት ኣል-በሽር።ዘይምርግጋእ፣ናይ ፀጋታት ምፅንቃቕን ከምኡ እውን ምብትታኽ ዝምድና ሃገራት ጥራሕ እዩ ዘስዕብ እውን ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ መንጎ ልኡኻት ፕሬዝዳንት ኪርን መራሒ እቶም ዓመፅቲ ሬይክ ማቻርን ትርጉም ዘለዎ ዝርርብ ንምጅማር ኣብ ስምምዕ ዝተብፅሐ ይመስል።
ኣብቲ ዝርርብ ዝሳተፉ ሰበስልጣን ከምዝገለፅዎ ድሕሪ ብርክት ዝበሉ ናይ ድርድር ማዕልታት ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቅርፂ እቲ ዝርርብ ብምስምማዕ ቶኽሲ ጠጠው ንምባልን ብዛዕባ ዕፃ እቶም ብመንግስቲ ዝተኣሰሩ ሰበስልጣንን ንምዝርራብ ቅሩባት እዮም ኢሎም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ኢጋድ ዝኾኑ ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም እቲ ግጭት ብዘይውሓል ሕደር ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም።’’እዚ ትርጉም ኣልቦ ኵናት ክቕፅል ክተፍቅዱሉ የብልኩምን።ጠጠው ክተብልዎ ኣለኩም።ሕዚ ጠጠው ኣብልዎ።ደው ንምባል ድማ ትኽእሉ ኢኹም’’ብምባል።

ቻይና ብወገና እቲ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝቐተለን ንልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ዘፈናቐለን ቶኽሲ ብዘይውዓል ሕደር ጠጠው ክብል ኣለዎ ክትብል ፀዊዓ’ላ።
ንልኡዃት ምኽትል ፕሬዝዳንት ነበር ሬይክ ማቻር ዝመርሑ ቴባን ደን ጋይ ትማሊ ሰንበት ዝኾነ ይኹን ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ምፍራሙ ክማልኡ ኣለዎም ዝበልዎም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጦም ነይሮም።ምፍታሕ ፖለቲካዊ እሱራት ሓደ ካብኦም ነይሩ።

ምንስቴር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ማይክል ማኩወይ ትማሊ ሰንበት ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ብወገኖም መንግስቲ ከም ቅድመ ኩነት ንቶም እሱራት ኣይፈትሕን ኢሎም።
ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪ ትማሊ ሰንበት ኣብ እየሩሳሌም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ መንግስቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም የተኣላልሹ ንዘለው ከምዝድግፍን ሓይሊ ከም በለፅ ንምጥቃም ኣብ ልዕሊ ዝደልዩ ድማ ዓለምለኸ ፀቕጢ ንኽግበር ከምዝሰርሑን ሓቢሮም።


please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG