ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ


South Sudan Leader, Salva Kiir Mayardit
South Sudan Leader, Salva Kiir Mayardit
መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ደቡብ ሱዳን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ሰላም ጀሚሮም።

ዞባዊ ሽማግለታት፣ንካብ ትምስረት ሰለስተ ዓመት ዝኾና ሓዳስ ሃገር ኣጓኒፍዋ ዘሎ ውግእ ሕድ-ሕድ ብውዕል ምቁራፅ ተፃብኦ ህድኣት ንክትረክብ ከሕግዙ ተስፋ ይገብሩ።

ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣብ ዝዝረገሖ መግለፂ፣እቲ ልዝብ ሎሚ ዓርቢ ተጀሚሩ‘ሎ፣ዞባዊ ማሕበር በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ሰላም ንክወርድ ክንዲ ዝካኣሎ ክሰርሕ‘ዩ ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ጎና ጎኒ‘ቲ ልዝብ፣ውግእ ደቡብ ሱዳን ሎሚ ዓርቢ‘ውን ቀፂሉ‘ሎ።

ብካልእ ዜና፣ብጠንቂ ኣብ ደቡብ ሱዳን እናንቆልቆለ ይመፅእ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ፣ኣብ‘ታ ሃገር ዝተመደቡ ገለ ሰራሕተኛታቱ ከምዘውፀአ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
XS
SM
MD
LG