ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲሳበባ ይሳለጥ‘ሎ ተባሂሉ


ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን
ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን
ኣብ ኣዲሳበባ ይላዘቡ ዘለው ደቡብ ሱዳናዊያን፣ኣብ ዝተወሰኑ ኣጀንዳታት ከምዝተሰማምዑ፣ክልቲኦም ወገናት ኣፍሊጦም።ንምኽታም‘ቲ ውዕል ግና ናይ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ መልሲ ካብ ብሩስለስ-ቤልጅየም ትፅቢት ይግበር ከምዘሎ ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ገሊፆም።

ብሕልፊ ቅድሚ ትማሊ ዝተሳለጠ ናይ ገፅ ንገፅ ልዝብ ፍረ ከምዝተረኸቦ ወሃቢ-ቃል ተላዘብቲን መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ማይክል ማኲ ሉዝ ንቪኦ ገሊፆም።ዝተሰማማዕናሎም ዘይተፈራረምናዮ፣ተፀበዩ ስለዝተባሃለ‘ዩ እውን ይብሉ ንሶም።

”እቲ ምይይጥ ፅቡቅ ይሳለጥ‘ሎ።ኣብ ልዕሊ ኣጀንዳን መትከላትን ተሰማሚዖም‘ዮም።ትማሊ‘ውን ንውዕል ክንፍርም ይግባእ ነይሩ።ግን ኣብ ብሩስለስ ዝርከቡ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ፣ስነ-ስርዓት ምፍርራም ክነደናግዮ መምርሒ ኣውሪዶም‘ለው።ስለዚ ክሳብ ዝምለሱ ክንፅበ ኢና” ይብሉ።

ተቃወምቲ ብወገኖም፣ነቲ ምንስቴር ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ዝበሎ ኣረጋጊፆም ኣለው።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ኣብ ቀዳሞት ልዝባት ይሳተፉ ዝነበሩ ሸውዓተ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ‘ዚ ናይ ሎም-ቅነ መድረኽ ኣይሳተፉን ዘለው።ምኽንያት መንግስቲ ጁባ ስለዝተቃወመ።

”ካብ ቀደሙ‘ውን ክፍትሑ ከለው ምስ‘ቶም ተቃወምቲ ክፅምበሩ‘ዮም ዝብል ትፅቢት ስለዝፀንሐ‘ዩ።ድሕሪ ምፍትሖም ግና ሳልሳይ ወገን ኢና ኢሎም። ንሕና ግና ሳልሳይ ወገን ዝባሃል ኣይንፈልጥን” ኢሎም ወሃቢ-ቃል ደቡብ ሱዳን።

እቶም ዝተፈትሑ ኣብ‘ቲ ልዝብ ክሳተፉ ኣይግባእን ነይሩ።ነቲ ልዝብ ዓንቀፍቲ‘ዮም።ከምመጠን መንግስቲ ኣይንቅበሎምን።ሸምገልቲ ክሳተፉ ኣለዎም‘ዮም ዝብሉ።ስለዚ ነቲ መስርሕ ሓላሊኾምዎ ነይሮም፣ሳላ ካብ‘ቲ ልዝብ ዝወፁ ግና እቲ ልዝብ ናብ ፍረ በቂዑ‘ሎ ኢሎም እቶም መንግስታዊ ወሃቢ-ቃል።

ኣሜሪካ፣ሕብረት ኣውሮዻን ካልኦት ወገናትን ንመርገፂ ደቡብ ሱዳን ዘውግዝ መጠንቀቂ ከምዘውፅኡ ዝዝከር‘ዩ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG