ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዙር ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲሳበባ


ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን
ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን
ካልኣይ ዙር ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ተኸፊቱ። እንተኾነ ጠለባትና እንተዘይ ተማሊኦም ኣይንቅፅልን ኢሎም‘ለው ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን።ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኽፈት ኣቀዲሙ ዘፍለጠ ኢጋድ‘ዩ።

እንተኾነ ህድእ‘ዳኣ ይብሉ ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን።ሰለስተ ቅድመ ኩነታት ኣነፂሮም‘ለው።ቀዳማይ ወትሃደራት መንግስቲ ካብ ኣብ ጁባ ዘሎ መደብ ሕ/ሃ ክወፁ፣ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለው ኣርባዕተ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን፣ሰራዊት ኡጋንዳ ካብ ኡጋንዳ ይውፅኡን ዝብሉ‘ዮም።

ወሃቢ-ቃል‘ቶም ተቃወምቲ ዮሃንስ ፖክ፣ነቲ መኣዲ ልዝብ ካብ ምሕሳም ካልእ ኣማራፂ የብልናን ኢሉ።

”ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ውዕል የኽብሩ የለውን ኢልና ኢና ንኣምን።ስለዚ ቅድም ነቲ ዝፈረምናዮ ውዕል ንተግብር‘ሞ ካብኡ ናብ ካልኣይ ዙር ልዝብ ንመለስ ኢና ንብል ዘለና” ኢሉ እቲ ወሃቢ-ቃል።

ሸምጋላይ‘ቲ መድረኽ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ግና በዚ በለ በቲ እቲ ልዝብ ክቅፅል‘ዩ ኢሎም።

”ነቲ ምቅርራባትን ንርክበሉ መድረኽን ዘንፀባርቅ ኣይኮነን።ምኽንያቱ ምጅማር ካልኣይ ዙር መድረኽ ልዝብ ግሁድን ካብ ክልቲኦም ፓርቲታት መረጋገፂ ዝረኸብናሉን ስለዝኾነ” ኢሎም ኣቶ ስዮም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ጉዳይ‘ቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኮይኖም ይዋግኡ ዘለው ወትሃደራት ኡጋንዳ ዘሰሓሕብ ኮይኑ‘ሎ።

ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ኡጋንዳ ንሕጋዊን ዝተመርፀን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምድጋፋ ተቀባልነት ኣለዎ፤እንተኾነ ጣልቃ ምትእትታው ወፃእተኛ ሰራዊት ኣሻቃሊ ክኸውን ይኽእል‘ዩ ኢሎም።

”ንኢጋድ ዘሻቅሎ፣እዚ ጣልቃ ምትእትታው’ዚ ግርጭት ኣስዒቡ ነዚ ዞባ‘ዚ ንከይልክሞ‘ዩ።ምኽንያቱ ካብ ካልኦት ወገናት‘ውን ተረባሒ ናይ ምኳን ድልየት ስለዝፀንሐ።ነብሰ-ወከፍ ሃገራትን ረብሐአንን ምስ ትግምግም፣ነዚ ዞባ‘ዚ ኲናት ኣበጊሱ ናይ ምሕዋኽ ተኽእሎ ዘለዎን ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ” ኢሎም ቀ/ሚ ሃይለማርያም።

እቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽፈት ካልኣይ ዙር ልዝብ ደቡብ ሱዳን፣ዝጅምር እንተኾይኑ፣ቀንዲ ኣጀንድኡ መስርሕ ፖለቲካ ደቡብ ሱዳን ከመይ ይቀፅል? ዝብል ክኸውን‘ዩ።
XS
SM
MD
LG