ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕል ሰላም ደቡብ ሱዳን ክኽተም‘ዩ


መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን
መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን
መንግስቲን ተቃወምቲን ደቡብ ሱዳን፣ነቲ ንሰሙናት ዝዘለቀ ግጭት ዘዕርፍ ውዕል ምቁራፅ ተኲሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፈራረሙ ተቀሪቦም ኣለው።

ኢጋድ(በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ) ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ፣ሎሚ ሓሙስ ውዕል ምቁራፅ ተኲሲ ክፍረም‘ዩ ኢሉ‘ሎ።

ኢጋድ ወሲኹ፣ክልቲኦም ወገናት ንጉዳይ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ተታሒዞም ዘለው ፖለቲካዊ እሱራት ዝምልከት ሰነድ‘ውን ክፍርሙ‘ዮም ይብል።

ብዛዕባ ትሕዝቶ‘ቲ ሰነድ ውዕል ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይተረኸበን።ክልቲኦም ወገናት፣መንግስቲ ነቶም ዝሓዞም ፖለቲካዊ እሱራት ፍታሕ ኣይፈትሕን ኣብ ዝብል ይካትዑ ከምዝቀነዩ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG