ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳን ድሕሪ 10 መዓልታት ኽቅፅል እዩ ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር ዝተኻየደ ልዝብ ሰላም ደቡብ ሱዳናዊያን ዓብዪ ምምሕያሽ ዝተርኣየሉ ነይሩ ኢሉ ኢጋድ።እቲ ድርድር ን10 ማዕልታት ተቛሪፁ’ሎ ዝበለ መግለፂ ኢጋድ ተደራደርቲ ፖለቲካዊ ቅሩብነት ኣርኢዮም ኣለው።

ኣብ ከተማ ባህር ዳር ክካየድ ዝቐነየ ልዝብ ሰላም ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሩ ድርድራት ብዝበለፀ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ዘተኮረ ነይሩ።

ነቲ ልዝብ ይመርሕ ዘሎ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ናይ ልምዓት በይነ መንግስታት/ኢጋድ/ ዝለዓለ ምምሕያሽ ዘርኣየ ድርድር እዩ፤እዚ ናይ ሎሚ ዙር ኢሉ’ሎ።

ኢጋድ እቲ ልዝብ ን10 ማዕልታት ከምዝቋረፅ ንምግላፅ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መገለፂ ተደራደርቲ ወገናት ዝለዓለ ግምት ዝውሃቦ ፖለቲካዊ ቅሩቡነት ኣርእዮም ኣለው ይብል።

መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዙሪታ ምስረታ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘለዎም ዝለዓለ ኣፈላላይ ከንፀባርቑ ፀኒሖም ኣለው።ተደራደርቲ መንግስቲ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ንሽግግር መንግስቲ ክመርሑ ኣለዎም እንትብሉ፣ነዚ ዝነፅጉ ተቓወምቲ ብወገኖም እቶም ፕሬዝዳንት ናይታ ሃገር፣ቀዳማይ ምንስቴር ድማ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ መራሕቲ ክኾኑ ኣለዎም ይብሉ።

እዞም ኣፈላላያት እዚኦም ብቐጥታ ዘይጠቐሰ መግለፂ ኢጋድ ኣብቲ ልዝብ ኣብዝተልዓሉ ጉዳያት ዘለዎም ኣፈላላያት ንምፅባብ እናሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኢጋድ ዓብዪ ምምሕያሽ ኣርእዩ’ሎ ዝበሎ ልዝብ እንታይ ከምዝኾነ ግን ኣይሓበረን።

እቲ ልዝብ ኣብዝቛረፀሉ 10 ማዕልታት ኣደራደርቲ ምስ ዝምልከቶም ወገናት ከምዝመኻኸርሉ ኢጋድ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።እቲ ዝልብ ድሕሪ 10 ማዕልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክቕፅል እዩ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን ባርናባ ማሪያል ቤንጃሚን እዚ ናይ 10 ማዕልታት ዕረፍቲ ተደራደርቲ ኣብዙሪያ የሰሓሕቡ ዘለው ጉዳያት ነናብ ዝመፅሉ ተመሊሶም ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ክመኻኸርሉ እዮም ኢሎም።

ናይ ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ ቅድሚ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክህሊ ኣለዎ ኢሎም እቶም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ሱዳን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ደቡብ ሱዳን ህውከት ኣብ ዝወሰኸ ቁፅሪ እታ ሃገር ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ናብ ዓፀቦ ክትኣቲ ትኽእል እያ ክብል ዓለምለኸ ትካላት ረዲኤት ዝሓቖፈ ሓደ ጉጅለ ኣጠንቂቑ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ምግቢ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምብፅሑ ረድኤት ብዘይ ወዓል ሕደር ክቐርብ ኣገዳሲ እዩ ክብል ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ዝወፀ መግለፂ ሓቢሩ።

‘’ካብ ቅልውላው ናብ ህልቂት’’ ኣብ ትሕቲ ብዝብል እርእስቲ እቶም ትካላት ረድኤት ኣብዘውፅእዎ ናይ ሓባር መግለፂ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ኣብ መጀመሪያ ሰለስተ ኣዋርሕ 2015 ኣ/ፈ ሕሱም ጥምየት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG