ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ደቡብ ሱዳን ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም


ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ኣብ ልዝብ ሰላም ዝሳተፉ ወከልቲ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬይርን መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ሪኽ መቻርን፣ሎሚ ሰሉስ ኣማስዮም ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ወከልቶም ሎሚ ሰሉስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምልኣኽ ከምዝተሰማምዑ ዝዝከር‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ክልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ልዝብ ዝተዓደሙሉ ኣገባብ ውፅኢት ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ኢጋድ ምኳኑ ወሃቢ-ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

”እዚ ውፅኢት ዲፕሎማስያዊ ፃዕሪ ኢጋድ‘ዩ።ኢትዮዽያ ኣቦ-መንበር ኢጋድ ስለዝኾነት፣ልዕሊ ኩሉ ኢትዮዽያ ከምመጠን ጎረቤት ሃገር ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቀዲማ ኣብ መስርሕ ሰላም ትዋሳእ ሃገር ስለዝኾነት‘ዩ።ስለዚ ኢትዮዽያ ከም ሃገርን ከምኣባል ኢጋድን‘ያ ትነጣጠፍ ዘላ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ቦር ውግእ ቀፂሉ‘ሎ።ሪክ መቻር፣ዝድግፉኒ ዕጡቃት ንከተማ ቦር ዮንግለይ መሊሶም ተቆፃፂሮምዋ‘ለው ኢሉ‘ሎ።

እታ ከተማ እንተተመንጢሉ ገና መግለፂ ኣይሃበን ዘሎ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን።

ኢጋድ ክልቲኦም ተናሓናሕቲ ወገናት ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ንክላዘቡ ክሳብ ሎሚ ሰሉስ ጊዜ ከምዝሃበ ዝዝከር‘ዩ።

ሪክ መቻር ካብ ናብ ኢትዮዽያ ዝላኣኾም ወከልቱ ንባዓልቲ ቤት መዋታይ ጆን ጋራንግ ዝኾና መበለት ረቤካ ንያንዴንግ ጋራንግ ዝሓቁፍ‘ዩ ኢሎም‘ለው።ጆን ጋራንግ መስራታይ SPLM ምንቅስቃስ ሰራዊት ሓርነት ሱዳን ከምዝነበሩ ዝዝከር‘ዩ።

እዚ ከም‘ዚ‘ሉ ከሎ፣ኢትዮዽያ ንዜጋታታ ካብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምውፃእ ስራሕቲ ኣጠናኺራ ሎሚ‘ውን ቀፂላትሉ‘ላ።

ኣምባሳደር ዲና ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ሎሚ ሰሉስ 300 ኢትዮዽያውያን ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው ከምዝተገበረ ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG