ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዞባዊ ፃዕሪ ንህድኣት ደቡብ ሱዳን ቀፂሉ’ሎ


መራሕቲ ኢትዮዽያ፣ደቡብ ሱዳንን ኬንያን
መራሕቲ ኢትዮዽያ፣ደቡብ ሱዳንን ኬንያን
መራሕቲ ኢትዮዽያን ኬንያን ንመስርሕ ሰላም እታ ብህውከት ትናወፅ ዘላ ደቡብ ሱዳን ንምቅልጣፍ ኣብ ጁባ ኣትዮም።

ናይ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ቀ/ሚ ኢትዮዽያን ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ሎሚ ሓሙስ ምስ ፕረዚደንት ሳልቫ ኬር ተዘራሪቦም።

ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፣እቶም መራሕቲ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ኣልዒሎም ከምዝተዘራረቡ ገሊፆም።

”ካብ ሞንጎ ዝተዘራረብናሎም ኣጀንዳታት ገሊኦም፣ቀዳማይ ምቁራፅ ተፃብኦ፣ ካልኣይ እቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ ፍታሕ መእንታን ክረክብ ልዝብ ብህፁፅ ክጅመር፣ሳልሳይ ጉዳይ ዕልዋ መንግስቲ ክፍፅሙ ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ ሰባት ይርከብዎም” ኢሎም ዶ/ር ቴድሮስ።

ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዶ/ር ቴድሮስ ወሲኾም፣መራሕቲ ኢትዮዽያን ኬንያን ንምርግጋፅ ፖለቲካዊ ህድኣት ደቡብ ሱዳን ፃዕሪ ክግበር ፀዊዖም‘ለው።

ዶ/ር ቴድሮስ ወሲኾም “እቶም መራሕቲ ንብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርፀ መንግስቲ ብዘይሕገ-መንግስታዊ ኣገባብ ምዕላው ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኣስሚሮምሉ‘ዮም።እዚ ቅልውላው‘ዚ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዝግባእ፣ከምኡውን ኢጋድን መራሕቲ ኢትዮዽያን ኬንያን ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም‘ለው ኢሎም።

ሰበ-ስልጣን ሕ/ሃ፣እቲ ህውከት ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝውላዕ ንነዘ ኣሻሓት ሰባት ተቀቲሎም‘ለው ይብሉ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ሰሉስ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ 5,500 ተወሳኺ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ክኣትው ከምዝወሰነ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG