ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓስፖርት ሓሙሽተ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ተሰሪዙ


ፓስፖርት ደቡብ ሱዳን
ፓስፖርት ደቡብ ሱዳን

ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሓደ ዲፕሎማት ደቡብ ሱዳን: መንግስቶም ፓስፖርት ናይ ሓሙሽተ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ሱዳን ነበር ምስራዙ ኣፍሊጦም።

እዚ ዝኸውን ዘሎ እቶም ሓሙሽተ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ነበር ኣመሪካ ንደቡብ ሱዳን ክትርከባ ጎስጓስ ብምክያዶም ምዃኑ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ዲፕሎማት ደቡብ ሱዳን ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ብዘይካዚ እቶም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበር ኣብታ ሃገር ንዘሎ ህውከት ከብቅዕ ናይቲ ከባብያዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ደቡብ ሱዳን ክዋፈር ንዝቐረበ ሓሳብ ደገፎም ከምዝገለጹ ተጠቒሱ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ደቡብ ሱዳን ንጉዳያት ዲያስፖራ ዝተሓባብሩ ኣምባሳደር ጎርደን ቡዋይ " ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንደቡብ ሱዳን ክርከባ ኣለዎ" ኢሉ ዝጽውዕ ዝኾነ ደቡብ ሱዳናዊ "ክሕደት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ይፍጽም ከምዘሎ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ" ድማ ኢሎም።

ብኻልእ ወገን: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ደቡብ ሱዳን ቶኽሲ ካብ ዝልዓል ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኡጋንዳ ይውሕዙ ስለዘለው ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ይውዑ ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣስታት 70 ሽሕ ደቡብ ሱዳናዊያን ናብ ኡጋንዳ ዝኣተው እንትኾኑ መብዛሕቲኦም ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑን ሕክምና ዘድልዮምን እዮም።

ኡጋንዳ ካብ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዝመፁ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ኣዒቑባ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG