ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቡብ ሱዳን ዝወሰደቶ ስጉምቲ፣ተመሊሱ ይሃድና'ሎ


ጠንቁ ህውኹ ምቑራፅ ምልኣኽ ነዳዲ ዘይቲ ብሱዳን'ዩ ይብሉ ወሃብቲ ሪኢቶ

ተባዕ‘ዶ ህንዱድ ስጉምቲ? ደቡብ ሱዳናውያን ብጠንቂ‘ቲ ሰሜናዊያን የውርዱልና ኣለው ዝበልዎ በደል ንምቅዋም ኢሎም፣ነዳዲ ዘይቲ ብሱዳን ኣቢሉ ንከይሓልፍ ምውሳኖም፣ንዜጋታት‘ታ ሃገር ኣዕናዊ ውፅኢት ኣስዒብሎም‘ዩ።ሰቡብ ሱዳን ንቀዳማይ ዓመት ናፅነት ንምብዓል ኣብ ትቀራረበሉ ጊዜ፣ኣቀባሊና ጌብ ጃስሎም ንዕምቆት ቁጠባዊ ፀገም‘ታ ሃገር ዝዳህሰሰ ሪፖርት ልኢኹልና ኣሎ።በትረ ስልጣን ከቅርቦ‘ዩ፣

ጃምቡኩክዌን ሞሪስ፣ኣብ ዩኒቨርስቲ ጁባ ተማሃራይ ኢንጅነር ኮምፕዩተርን ርክብን‘ዩ።ምስተመረቅኩ ይብል ንሱ፣ኣብ ስራሕቲ ቴክኖሎጂ ኢንተርኔት ከምዝዋፈር‘ውን ይዛረብ።

ሎሚ ግና፣ከም‘ቶም ካልኦት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለው መሰትኡ፣ብዛዕባ ሃገሩ ዝነበሮ ተስፋ ሃሲሱ‘ዩ።ከም‘ዚ ይብል፣

”ድሕሪ ናፅነት፣ካብ ፈለማ ጀሚረ፣ኣንጊሄ ተበራቢረ፣ሓደሽቲ ነገራት እናረአኩ፣ ለውጢ ይኽሰት ከምዘሎ ምርኣይ ይካኣል።ሓቂ ንምዝራብ ለውጢ ኣሎ‘ዩ።ሎሚ‘ውን ነገራት ኣብ ዝነበሩሉ ደው ኢሎም‘ለው። ምናልባሽ፣ጠንቁ ምልኣኽ ነዳዲ ዘይቲ ይመስለኒ።መሊአ ግና ኣይፈለጥኩዎን ዘለኹ” በለ ንሱ።

ኣብ‘ዚ ቀረባ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቀት ሃና ንዮንጎሌ ብወገና፣ መብዛሕተኦም መሰታኣ ተስፋ‘ዮም ቆሪፆም ትብል።ኣስዒባ፣

ሃና ወሲኻ ”መናእሰያትና፣ኣብ ምስታይ‘ዮም ዝውዕሉ።ተስፋ‘ዮም ቆሪፆም። ደቂ-ኣነስትዮ ግና፣ዝምርዐውወንን ዝኣልዩወንን ሰብኡት‘የን ዝደልያ ዘለዋ።ከጋንኖ ኣይመርፅን።ግን፣ኣዝዮም ብዙሓት ዝቀበፁሉ ኩነታት‘ዩ ዘሎ።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፣ናይ ስራሕ ቅጥዒ መሊኤ‘የ።ግን ምላሽ ኣይረኸብኩን ዘለኹ” ኢላ።

ቁጠባ ደቡብ ሱዳን፣ናብ‘ዚ ናይ ሎሚ ደውታ ዝበፅሐ፣እታ ሃገር ብሱዳን ኣቢሉ ይላኣኽ ንዝነበረ ነዳዲ ዘይቲ ድሕሪ ክቋረፅ ምውሳና‘ዩ።

ብሱዳን ኣቢሉ ይላኣኽ ዝነበረ ነዳዲ ምስተቋረፀ ግና፣98 ሚእታዊ ዓመታዊ ሃገራዊ ኣታዊ ስኢና‘ያ ደቡብ ሱዳን።

ካብ ወፃኢ ይርከብ ዝነበረ ኣታዊ ምስተቋረፀ ድማ፣ዓመታዊ መጠን ዝቅባበ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናብ ሰማንያ ሚእታዊ‘ዩ ንሂሩ።እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መጠን ሸርፊ ገንዘብ ደቡብ ሱዳን ናብ ዶላር ኣብ ዕዳጋ ኮንትሮባንድ ብሰለስተ ዕፅፊ ስለዝዓበየ፣ናብራ ሓዊ ኮይኑ‘ሎ።

ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ እዋናት፣ደቡብ ሱዳን ብዓለም-ለኸ መሻርኽታ ተገኒሓ‘ያ። ብዝተኣሳሰረ ኩነታት፣ኣሜሪካ ኣርባዕተ ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ኣብ‘ታ ዝሓለፈት ዓመት ንደቡብ ሱዳን ለጊሳ‘ላ።

XS
SM
MD
LG