ደቡብ ሱዳን ብሰሜን ሱዳን ኣብ ልዕለይ ዘይፍትሓዊ በደል ይፍፀም ኣሎ ብዝብል ምምራት ነዳዲ ደው ንምባል ክትውስን ከላ እታ ሃገር 98 ሚእታዊ ኣታዊኣ እውን ጠጠው ክብል እያ ገይራ።ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝሰርሑ ነጋዶ እቲ ናይ ምህርቲ ምዕፃው ኣብ ቁጠባ ዘሕድሮ ሳዕቤን እናሻቐሎም ይርከብ።
ሙስጣፋ ኣዩ ኣብ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ጀበል ወናኒ ንእሽተይ ናይ ንግዲ ትካል እዩ።ከምቶም ካልኦት ነጋዶ ነቲ ከይዲ ምዕፃው ምህርቲ ነዳዲ ዜና ብቐረባ ክከታተሎ ከምዝፀንሐ ይዛረብ።ንሱ ዝሸጦም ኣቑሑት ካብ ካልኦት ሃገራት መብዛሕቲኡ ካብ ኡጋንዳን ኬንያን ዝለዝመፁ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ንምርካብ ኣፀጋቢ ከምዝኾነ ይገልፅ።
ማእኸላይ ባንኪ ደቡብ ሱዳን ናይ ዶላር ዕቛር ንምዕቃብ እናፈተነ እዩ።እቲ ባንኪ ናብ ኬንያን ኡጋንዳን ዝግበር ብባንኪ ዝፍፀም ናይ ገንዘብ ዝውውር ብናይ ደቡብ ሱዳን ፓውንድ ንክኸውን ኣዚዙ’ሎ።
ደቡብ ሱዳን ነዳዲኣ ናብ ዓለምለኸ ዕዳጋ ንምቕራብ ናይ ሰሜን ሱዳን ናይ ነዳዲ መተሓላለፊ ሸምቡቆ እያ ትጥቀም።ሱዳን 815 ሚሊዮን ዶላር ዘውፅእ ነዳዲ ሰሪቕትኒ ክትብል ደቡብ ሱዳን ምሻጥ ነዳዲ ጠጠው ኣቢላቶ እያ።ካርቱም ብወገና ነቲ ነዳዲ ዝወሰድኩ ደቡብ ሱዳን ናይ መተሓላለፊ ዘይተኸፈለ ዕዳ ስለዝነበራ እዩ ትብል።
ብናይ ቀደም ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ታቦ እምቤኪ ዝምራሕ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ መተዓረቒ ጉጅለ እቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ሱዳን ንዝኸሰረቶ ንምክሕሓስ ደቡብ ኣብቶም ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓሙሽተ ቢሊዮን ዶላር ንሱዳን ንኽተኸፍላ ዝቐረበ ናይ መፍትሒ ሓስብ ደቡብ ሱዳን ኣይተቐበለቶን።