ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባ ነፃነት ደቡብ ሱዳንን ንቀርኒ አፍሪቃ ዝህልዎ ፅልዋን- ዶ/ር ክብረአብ ጋይም


ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ፅባሕ 9- ሓምሌ ሓዳስ ነፃ ሃገር ክትኸውን'ያ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ምስ ዶክተር ክብረአብ ጋይም ካብ ከተማ ሎንደን ብሪጣንያ ቃለ-መጠይቅ ኣካይድና'ለና።

ዶ/ር ክብረአብ እዚ ነፃነት ደቡብ ሱዳን ካብ ስሜን ሱዳን ጀሚሩ ብኹለን ሃገራት እቲ ከባቢ ተቀባልነት ስለ ዝረኸበ ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ዘምፅኦ ሓድሽ ነገር አሎ ኢለ አየምንን'የ ኢሎም።

እቲ ፀገም ክኸውን ዝኽእል ሰሜንን ደቡብን ብሓባር ንረብሓ ህዝብታተን እንተ ዘይሰርሔንን ምስሕሓብን ምስ ዝፍጠር ጥራይ'ዩ ክብሉ ወስኾም።

ዶ/ር ክብረአብ ጋይም ነቲ ዞባ ብፍላይ ኸአ ሱዳን ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ መፃሕፍቲ ዝፀሓፉን ዓሙቅ ፍልጠት ዘለዎም'ዮም።

XS
SM
MD
LG