ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳልቫ ኬርን ሪክ መቻርን ገፅ ንገፅ ክራኸቡ‘ዮም!


ሪክ መቻርን ሳልቫ ኬርን
ሪክ መቻርን ሳልቫ ኬርን
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ክይር መራሒ ተቃወምቲ ዶ/ር ሪክ መቻርን፣ድሕሪ ፅባሕ ዓርቢ ኣብ ኣዲሳበባ ንፈለማ ጊዜ ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ክዘራረቡ‘ዮም።ድሕሪ መገሻ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ኣብ ጁባ ክልቲኦም ወገናት ንክራኸቡ ቃል ከምዝኣተው ዝዝከር‘ዩ።

ኢጋድ(በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ) ብመሰረት ዝዘርገሖ ዜና፣ መራሕቲ ክልቲኡ ደምበታት፣ገፅ ንገፅ ተራኺቦም ዝዘራረብሉ ዕለት ተወሲኑ’ሎ።ናይ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣቦ-መንበር ኢጋድ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ዕድመ ከምዝላኣኹን፣ክልቲኦም ኣጋይሽ ናብ ኣዲሳበባ ከምዝኣትውን እቲ ዜና ይገልፅ።

ፕረዚደንትን ምክትልን ደቡብ ሱዳን ኮይኖም ብሓባር ይመርሑ ዝነበሩ ሳልቫ ኪርን ሪክ መቻርን፣ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ‘ዩ ዓይኒ ንዓይኒ ዝራኣኣዩ።

ብዝተኣሳሰረ ምዕባለ፣ትማሊ ኣብ ደቡብ ሱዳን በፂሖም ዝተመለሱ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባንኪ ሙን፣ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ኣዲሳበባ ክንመፅእ ኢና ኢሎም ቃል ከምዝኣተውሎም ኣፍሊጦም‘ዮም።

ኣኼባ ሳልቫ ኬርን ሪክ መቻርን ዘጣጥሑ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ምዃኖም ይዝከር።ንሳልቫ ኬር ብኣካል ንሪክ መቻር ድማ ብቴሌፎን ዘዘራረቡ ጆን ኬርይ፣ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ዘንሀረ ውልቃዊ ፀብኢ ክልቲኦም ሰባት‘ዩ ኢሎም።

ጆን ኬርይ ”ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ምስሕሓብን ሕርቃንን፣ንሙሉእ ሃገር ናብ‘ቲ ትወርዶ ዘላ ዓዘቅቲ ክትጥሕል ምግባር ግቡእ ኣይኮነን”በሉ።

ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ልዝብ ምስ‘ቲ እናተሳለጠ ዝቀነየ ልዝባት ከመይ ከምምጥዕዓም ዝገልፅ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይተዋሃበን።ኢጋድ ኣብ ዝዘርገሖ መግለፂ ግና፣ልዝብ ክልቲኦም መራሕቲ፣ነቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተወለዐ ህውከት ንምድቃስ ሓጋዚ ከምዝኸውን‘ውን ሓቢሩ።

ኣሳታፊን ነባራይን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምፃእ፣እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ መድረኽ ልዝብ፣ናህሪ ክውስኸሉ‘ዩ‘ውን ይብል ኢጋድ።
XS
SM
MD
LG