ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ፅምብል ነፃነት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጁባን ስሚዒታት ነበርታን


ደቡብ ሱዳናውያን ፅባሕ 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም ነፃነቶም ብወግዒ ክእውጁ'ዮም። ነዛ ዕለት'ዚአ ንምቅባል ብዙሕ ምድላዋት ተገይሩ'ዩ።

ዓርቢ 8 ሓምለ 2011 ዓ.ም ርእሰ ኸተማኦም ጁባ ኣጊፃን ነበርታ ድማ ብውዕውዕ ስሚዒት ካብ ድሮ'ቲ በዓል ጀሚሮም የብዕሉ'ለው ክብሉ ኣብታ ኸተማ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊፆምልና።

ኣብኡ ኣብ ጁባ አብ ዝተፈላለየ መአዲ ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ነቲ ናይቲ ህዝቢ ስሚዒት ገሊፆምልና'ለው።

ክልተ ደቡብ ሱዳናውያን'ውን ካብ ጁባ ብስልኪ ስሚዒቶም ኣካፊሎምና'ለው።

28- ዓመት ዝዕድሚኡን ገና ብቆልዕኡ ኸሎ እቲ ኩናት ከም ዝተጀመርን ኣብ ምብራቅ አፍሪቃ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከም ዝዓበየ ዝገለፀ ድቪድ ዳጉ እቲ ኣብ ጁባ ዘሎ ሃዋሁ ብቃላት ንምግላፁ ከምዝፅግም ገሊፁ።

"እዛ ዕለት'ዚአ ብህይወት እንሃለኹ ትመፅእ'ያ ዝብል እምነት ፈፂሙ አይነበረንን" ይብል ደቪድ ዳጉ ።

ኣብ ዕስራታት ክሊ ዕድመ ከም ዘላ ዝገለፀት ካልእ ደቡብ ሱዳናዊት ኣገባ ዶክ ነባ ብወገና "ብዙሓት ሞይቶም'ዮም፣ ነዛ ዕለት ንምርአይ አይበቅዑን" ክትብል ተዛሪባ።

ክልቲኦም'ዞም ዘዘራረብናዮም ደቡብ ሱዳናውያን ኣብ ስደት ዓብዮም ኣብ ቀረባ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዝተጣየሹ ምኻኖም'ውን ገሊፆም'ለው።

ብተወሳኺ ናብዛ ዕለት'ዚአ ዝመርሐ ቀንዲ ቀንዲ ፍፃመታትን ናይ ግዜ ሰለዳን ኣብዚ መደብ'ዚ ተኻቲቱ'ሎ።

ነዚ መደብ ንምስማዕ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG