ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን ንከተማ ሄግሊጅ ተቖፃፂራታ


ሰራዊት ደቡብ ኣንሳሒቦም ድዮም ተሳዒሮም? ተጋራጫዊ ሓበሬታ ኣሎ

ክልቲኤን ሱዳን ኣብ ኩነታት ምስሓብ ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ካብ ሄግሊጅ ተጋራጫዊ ሓበሬታ ይህባ‘ለዋ።ደቡባውያን ካብ‘ታ ከተማ ብፈቃድና ወፂእና‘ለና ክብሉ ከለው፣ሱዳን ግና ብሓይልና ተቆፃፂረያ‘ለኹ ትብል።

ኣብ ሕ/መ ኣምባሳደር ሱዳን ዓሊ ኦስማን፣ሰራዊት ሱዳን ንሄግሊጅ ድሕሪ ውግእ ተቆፃፂርዋ‘ሎ ኢሎም።

”ሰራዊት ሱዳን ነቶም ወረርቲ ካብ ሄግሊጅ ከምዘባረሮም ክገልፀልኩም ከለኹ፣ዝላዓለ ታሕጓስን ክብሪን‘ዩ ዝስማዓኒ” ኢሎም እቶም ኣምባሳደር።

ኣምባሳደር ዓሊ ኦስማን ወሲኾም፣ደቡባውያን ናብ ሕልነኦም እንተተመለሲምን ቅድሙነታት ኣለና እንተዘይሎምን፣ሱዳን ናብ ልዝብ ንክትምለስ ቅርብቲ‘ያ ኢሎም።

ንፕረዚደንታዊ መግለፂ ብንባብ ዘስምዑ ወሃቢ-ቃል ደቡብ ሱዳን ባርንባራ ቤንያሚን ብወገኖም፣ሓይልታት ደቡብ ካብ ሄግሊጅ ሎሚ ከምዝሳሓቡ ኣፍሊጦም።

”ብመሰረት ፃውዒት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/መን መራሕቲ ሃገራትን፣ደቡብ ሱዳን ንልዝብ ዕድል ንምሃብ ኢላ ሰራዊታ ካብ ሄግሊጅ ንክስሕቡ ኣዚዛ‘ላ።ስርዓታዊ ምስሓብ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት ክፍፀም’ዩ” ኢሎም እቶም ወሃቢ-ቃል።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝሓለፉ ትሻዓተ ኣዋርሕ ዘካየዶ ልዝብ፣ቅድሚ ዕስራ መዓልታት ውግእ ስለዝተወለዐ ተኾሊፉ‘ዩ።ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግቡእ ሓገዝ ዘበርክት እንተኾይኑ፣ናብ መኣዲ ልዝብ ክንምለስ ኢና ይብሉ ሰበ-ስልጣን ደቡብ ሱዳን።

ሓይልታታ ካብ ሄግሊጅ ዋላ‘ውን እንተወፁ ስዕረት ኣይኮነን ዝበለት ደቡብ ሱዳን፣ዋንነት ሄግሊጅ ብዓለም-ለኸ ቤት-ፍርዲ ፍርዲ ክውሰነልና እፅበ’ለኹ ትብል።

XS
SM
MD
LG