ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ቃፍላይ ደቡብ ሱዳን፡ ኮሚሽነር ዞባ ዝሓወሰ 15 ሰባት ይቐትል


ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዋሰን ፒቦር ዝተባህለ ናይ ደቡብ ሱዳን ዞባ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ቃፍላይ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮሚሽነር እቲ ዞባ ዝርከቦም 15 ሰባት ምቕታሎም ንሰብ-መዚ እቲ ቦታ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ዜና እቲ ዞባ ኣብርሃም ከለንገ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት፡ ተወላዶ ኣንዩዋክ ዝኾኑ መንእሰያት ምዃኖም ሓቢሩ።

መብዛሕትኡ ብመጓሰ ከብቲ ዝነቅል ክርክርን ጎንጺን ኣብ መንጎ ብሄራት ደቡብ ሱዳን ዝውቱር ምዃኑ ይግለጽ። ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝጸንሐ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ዝኸደ ኲናት ሓድሕድ ድማ ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ብረት ከም ዝሕዙ ይንገር።

ድርኺት እቲ ድብያዊ መጥቃዕቲ ዛጊት ኣይነጸረን።

ምስ ስቡሕ ባህርያዊ ሃብታ፡ ኣብ ዓለም ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ምዃና እትፍለጥ ደቡብ ሱዳን፡ ብሰንኪ ሰፊኑ ዘሎ ሰንሰለታዊ ግጭት፡ ኣስታት 80% ካብቲ 11 ሚልዮን ህዝባ ተጸባዪ ሰብኣዊ ረዲኤት ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG